Category: ትግርኛ

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ምስ ቻይናዊ መዘናኡ ሺ ዢንፒንግ ተራኺቡ

ፕረዚደንት ዢንፒንግ ምስ ኣባላት ልኡኽ ኤርትራ እናተላለየ፡ ቤዢንግ 15 ግንቦት 2023ኣብ ቻይና ምብጻሕ ዘካይድ ዘሎ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፍወርቂ ምስ ቻይናዊ መዘናኡ ሺ ዢንፒንግ ተራኺቡ።ሺ ዢንፒንግን ነቲ ንፈለማ እዋን ብወግዒ ዝረኸቦ ኣፍሪቃዊ መራሒ ብወተሃደራዊ ሰላምታ ዝተሰነየ ወግዓዊ ኣቀባብላ ገይሩሉ።ክልቲኦም መራሕቲ ድሕሪ'ቲ ወግዓዊ ናይ ኣቀባብላ ስነስርዓት ዝተፈለለዩ ጉዳያት ብምልዓል ተመያይጦም።ፕረዚደንት ዢንፒንግ፡ ክልቲአን ሃገራት ኣብ ዝሓለፈ 30 ዓመታት ኩሉ ሳዕ ኣብ ንሓድሕደን ምትእምማንን ምትሕግጋዝን ከምዝነበረን ገሊጹ ክብል ማዕከን ዜና ቻይና ደይሊ ሓቢሩ።

ቻይናውያን ካብ ሱዳን ኣብ ምውጻእ ኤርትራ "ንዝሃበቶ ደገፍ" መርኣያ ዘለወን "ዓሚቚ ምሕዝነት" ምዃኑ ብምጥቃስ ድማ ንፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣመስጊኑ።

ቻይና ምስ ኤርትራ ዘለዋ ርክብ "ስትራተጂካውን ንነዊሕ ዝጠመተን" ምዃኑ'ውን እቲ ቻይናዊ መራሒ ተዛሪቡ።

ኤርትራ፡ ምስ ሃገራዊ ኩነታታ ዝሰማማዕ ናይ ልምዓት ኣንፈት ክትክተል፡ ከምኡ'ውን ልኡላውነታን ጸጥታን ከተውሕስ ቻይና ከምእትድግፍ ዢንፒንግ ገሊጹ። ኣብ ውሽጣዊ ጉዳያት ኤርትራ ንዝግበር ምትእትታውን እገዳታትን ከምእትቃወም'ውን እቲ ቻይናዊ መራሒ ኣነጺሩ።

"ሓባራዊ ጥቕሚ ዘለዎ ምትሕግጋዝ ንምድንፋዕን ብመንገዲ፡ ከም ቻይናዊ ተበግስ ’በልት & ሮድ’ [Belt and Road]፡ ቻይና-ኣፍሪቃ ናይ ምትሕግጋዝ ፎረም፡ ከምኡ'ውን ጠመተ ሰላምን ልምዓት ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝተባህሉ ዝተፈላለዩ ተበግሶታት ቻይና ምስ ኤርትራ ክትሰርሕ ድልውቲ እያ"።

ጉጅለታት ሕክምናን ላዕለዎት ክኢላታት ሕርሻን ናብ ኤርትራ ምስዳድ ከምእትቕጽል ዝገለጸ፡ እቲ ዴሳዊ መራሒ፡ ኣብ ኣብ ምህናጽ ትሕተ-ቅርጺ፡ ቴለኮሚኒኬሽን፡ ሕርሻ፡ ዕደናን ሃብቲ ዓሳን ዘሎ ምትሕግጋዝ ንምሕያል ድልውቲ ከምዘላ'ውን ገሊጹ'ሎ።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ብወገኑ፡ ንቻይና ዘለዎ ናእዳ ብምግላጽ፡ ዓለምለኻዊ ርትዒን ፍትሕን ብምምጻእ ኣብ ምዕባለን ገስጋስን ሰብ ዓቢ ኣበርክቶ ክምትገብርን ተዛሪቡ ክብል ቻይና ደይሊ ጸብጺቡ።

"ብዛዕባ ምስ ቻይና ዘለዎ ንልዕሊ ፍርቂ ክፍለዘመን ዝቐጸለ ፍሉይ ምትእስሳር ዝተዛረበ" እቲ ኤርትራዊ መራሒ፡ ህዝቢ ቻይና ንቃልሲ ኤርትራ ዝሃቦ ደገፍ ዘይርሳዕ ምዃኑ ኣመስጊኑ።

እቲ ፈላሚ ወተሃደራውን ፖለቲካውን ስልጠና ኣብ ቻይና ከምዝረኸበ ዝንገረሉ ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡ ቅድሚ 15 ዓመታት ንመወዳእታ ግዜ ናብ ቻይና ከምዝበጽሐ ይንገረሉ።

https://ichef.bbci.co.uk/news/320/cpsprodpb/47ba/live/55c0b4b0-f34c-11ed-92cc-b3a9bf1f67e9.jpg 320w, https://ichef.bbci.co.uk/news/480/cpsprodpb/47ba/live/55c0b4b0-f34c-11ed-92cc-b3a9bf1f67e9.jpg 480w, https://ichef.bbci.co.uk/news/624/cpsprodpb/47ba/live/55c0b4b0-f34c-11ed-92cc-b3a9bf1f67e9.jpg 624w, https://ichef.bbci.co.uk/news/800/cpsprodpb/47ba/live/55c0b4b0-f34c-11ed-92cc-b3a9bf1f67e9.jpg 800w" alt="ብመራሕቲ ክልቲአን ሃገራት ዝተመርሐ ኣኼባ ቻይናን ኤርትራን ኣብ ቤዢንግ" width="1198" height="795" class="e3vrtyk0 bbc-rb7xa0 e1mo64ex0" style="box-sizing: inherit; border-style: none; display: block; width: 645.325px; height: auto;" />

ምንጪ ስእሊ,CHINA DAILY

 
መግለጺ ስእሊ,

ብፕረዚደንት ሺን ኤርትራዊ መዘናኡ ኢሳይያስን ዝተመርሐ ኣኼባ ቻይናን ኤርትራን ኣብ ቤዢንግ 

ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ቻይና ሊ ችያን ዝገበሮ ርክብ

ኣቐድም ኣቢሉ ምስ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ዝተራኸበ ቀዳማይ ሚኒስተር ቻይና ሊ ችያን ቻይናን ኤርትራን “ንኽልቲአን ሃገራት ዘርብሕ ምትሕብባር ከዕምቛን ስትራተጂያዊ ሽርክነተን ከሀብትማን” ከምዝግባእ ገሊጹ።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ብወገኑ፡ “ቻይና ኣብ መንጐ ህዝብታትን ሃገራትን ዝያዳ ፍትሓዊ ዝምድና ክህሉ ንስርዓት ዓለም ኣብ ምቕያር ዝገበረቶ ኣበርክቶ ብርግጽ ግሎባዊ ብድሆታት ከስዕብን ነቲ ህልዊ ስርዓት ክልውጦ ምዃኑን” ምዝራቡ ሮይተርስ ጸብጺቡ።

ንሱ ወሲኹ ኣህጉር ኣፍሪቃ ካብ ካልእ ዓለም “ተጐስያ” ከምዘላ ብምጥቃስ፡ “ኣበርቲዓ ክትቃለስን ካብ ህዝባዊት ሪፓብሊክ ቻይና ዝሓየለ ኣበርክቶ” ከምእትጽበን ሓቢሩ።

እቲ ብሰንኪ ባዕላውን ደጋውን ተነጽሎ ካብ መድረኻት ዓለም ተኸዊሉ ዝጸንሐ ፕረዚደንት፡ ድሕሪ ብዙሕ ዓመታት ንፈለማ እዋን'ዩ ካብቲ ዞባ ኣርሒቑ ወግዓዊ መገሻ ዘካይድ ዘሎ።

ነቶም ብቻይና ተወዲቦም ዝካየዱ ዋዕላታት መራሕቲ ኣፍሪቃ ከይተረፈ’ውን ተሓሲምዎም'ዩ ጸኒሑ።

እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ሎሚ ሰኑይ ቅድሚ ቐትሪ ኣብ በይጂን፡ ኣደባባይ ቲናንመን ኣብ ዝርከብ 'ሓወልቲ ጀጋኑ ህዝቢ' ዕምባባ ኣንቢሩ።

https://ichef.bbci.co.uk/news/320/cpsprodpb/992b/live/256c8b50-f305-11ed-a142-ab0e42bfd9c3.jpg 320w, https://ichef.bbci.co.uk/news/480/cpsprodpb/992b/live/256c8b50-f305-11ed-a142-ab0e42bfd9c3.jpg 480w, https://ichef.bbci.co.uk/news/624/cpsprodpb/992b/live/256c8b50-f305-11ed-a142-ab0e42bfd9c3.jpg 624w, https://ichef.bbci.co.uk/news/800/cpsprodpb/992b/live/256c8b50-f305-11ed-a142-ab0e42bfd9c3.jpg 800w" alt="ፕረዚደንት ኤርትራ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ቻይና ሊ ችያን 15 ግንቦት 2023" width="970" height="647" class="e3vrtyk0 bbc-rb7xa0 e1mo64ex0" style="box-sizing: inherit; border-style: none; display: block; width: 645.325px; height: auto;" />

ምንጪ ስእሊ,REUTERS

 
መግለጺ ስእሊ,

ፕረዚደንት ኤርትራ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ቻይና ሊ ችያን ተራኺቡ

 
https://twitter.com/hawelti/status/1658040630881271808?s=20">
Skip Twitter post
ንትሕዝቶ Twitter ተፍቅድ ዶ?

እዚ ጽሑፍ ካብ Twitter ዝተረኽቡ ትሕዝቶታት ኣሎዎ። እንተኾነ ኩኪስ ይዅን ካልእ ቴክኖሎጂ ክጥቀሙ ስለዝኽእሉ፡ ቅድሚ ምኽፋቱ ፍቓድኩም የድሊ። ፍቓደኛታት ቅድሚ ምዃንኩም፡ ነቲ ናይ Twitter ፖሊሲ ኩኪስ ከምኡ’ውን ፖሊሲ ብሕትና ክተንብብዎ ትኽእሉ ኢኹም። ነዚ ትሕዝቶ ንምርኣይ፡ ‘እሰማማዕ’የ ቀጽል’ ዝብል ጠውቑ።

መግለጺ ቪድዮ፡,Warning: ቢቢሲ ኣብ ካልእ ገጻት ንዘሎ ሓበሬታ ሓላፍነት ኣይወስድን።

End of Twitter post

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ንኣርባዕተ መዓልታት ወግዓዊ ምብጻሕ ንምፍጻም ብቐዳም ድሕሪ ቀትሪ፡ ሚኒስተራት ጉዳያት ወጻኢ፡ ፋይናንስን ሃገራዊ ልምዓትን ከምኡ’ውን ንግድን ኢንዱስትርን ዝርከብዎ ልኡኽ ሒዙ ካብ ኣስመራ ከምዝተበገሰ ሚኒስተር ዜና ኣቶ የማነ ገብረመስቀል ብትዊተር ሐቢሩ።

ወሲኹ’ውን ምስ ፕረዚደንት ሺ ዢንፒን ከምዝራኸብን እቶም መራሕቲ ፖለቲካዊ፡ ቁጠባዊ፡ ፋይናንሳዊን ልምዓታውን፡ ንግዳውን ከምኡ’ውን ዞባውን ዓለምለኻውን ሓባራዊ ጉዳያት ክዘራረቡ ምዃኖምን ገሊጹ።

ኣብ ጥሪ 2022 ኣብ ኤርትራ በጺሑ ዝነበረ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ቻይና ዋንግ ዪን፡ ፕረዚደንት ኢሳይያስ "ኣብ ዝቐልጠፈ እዋን" ናብ ሃገሩ ምብጻሕ ከካይድ ካብ ፕረዚደንት ዢንፒን ዝተላእከ ዕድመ ኣቕሪቡ ነይሩ'ዩ።

ኣብ ዝሓለፈ ኣስታት ክልተ-ዓሰርተ ዓመታት ኤርትራ ብተዛማዲ ምስ ቻይና ዝሓሸ ዝምድና'ዩ ጸኒሑዋ።

ቻይና ምስ ኣፍሪቃ ዘለዋ ቁጠባዊን ጸጥታዊን ምትእስሳራት እናዓበየ ክመጽእ ምጽንሑ ይፍለጥ።

ኤርትራ ኣብቲ ንስዌጽ ካናልን ንህንዳዊ ውቅያኖስን ኣብ ዘራኽብ ስትራተጂያዊ ኣገዳስነት ዘለዎ ቀይሕ ባሕሪ ነዊሕ ገማግም እትውንን ብምዃናን ቻይና ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ጽልዋኣ ንምዕዛዝ ኣብ ዘለዋ ድልየትን፡ ጂኦፖለቲካዊ ኣገዳስነታ ልዑል እዩ።

ብዘይካ’ዚ እቲ ቻይና ኣብ 2017 ዝደኮነቶ ፈላሚ ኣብ ወጻኢ ሃገራት ዝርከብ ወተሃደራዊ መደበራ’ውን ኣብ ጐረቤት ሃገር ጅቡቲ እዩ ዝርከብ።

https://ichef.bbci.co.uk/news/320/cpsprodpb/c926/live/7c32c700-f34c-11ed-92cc-b3a9bf1f67e9.jpg 320w, https://ichef.bbci.co.uk/news/480/cpsprodpb/c926/live/7c32c700-f34c-11ed-92cc-b3a9bf1f67e9.jpg 480w, https://ichef.bbci.co.uk/news/624/cpsprodpb/c926/live/7c32c700-f34c-11ed-92cc-b3a9bf1f67e9.jpg 624w, https://ichef.bbci.co.uk/news/800/cpsprodpb/c926/live/7c32c700-f34c-11ed-92cc-b3a9bf1f67e9.jpg 800w" alt="ፕረዚደንት ሺ ንኤርትራዊ መዘናኡ እናተቐበሎ" width="1199" height="851" class="e3vrtyk0 bbc-rb7xa0 e1mo64ex0" style="box-sizing: inherit; border-style: none; display: block; width: 645.325px; height: auto;" />

ምንጪ ስእሊ,CHINA DAILY

https://ichef.bbci.co.uk/news/320/cpsprodpb/0c2b/live/735256c0-f32c-11ed-92cc-b3a9bf1f67e9.jpg 320w, https://ichef.bbci.co.uk/news/480/cpsprodpb/0c2b/live/735256c0-f32c-11ed-92cc-b3a9bf1f67e9.jpg 480w, https://ichef.bbci.co.uk/news/624/cpsprodpb/0c2b/live/735256c0-f32c-11ed-92cc-b3a9bf1f67e9.jpg 624w, https://ichef.bbci.co.uk/news/680/cpsprodpb/0c2b/live/735256c0-f32c-11ed-92cc-b3a9bf1f67e9.jpg 680w" alt="ፕረዚደንት ኢሳይያስ ምስ ቻይናዊ መዘናኡ ሺ ዢንፒንግ ኣብ ቤዢንግተራኺቡ" width="680" height="453" class="e3vrtyk0 bbc-rb7xa0 e1mo64ex0" style="box-sizing: inherit; border-style: none; display: block; width: 645.325px; height: auto;" />

ምንጪ ስእሊ,YEMANE G. MESKEL/TWITTER

https://ichef.bbci.co.uk/news/320/cpsprodpb/2b0b/live/6d9a5b90-f34c-11ed-92cc-b3a9bf1f67e9.jpg 320w, https://ichef.bbci.co.uk/news/480/cpsprodpb/2b0b/live/6d9a5b90-f34c-11ed-92cc-b3a9bf1f67e9.jpg 480w, https://ichef.bbci.co.uk/news/624/cpsprodpb/2b0b/live/6d9a5b90-f34c-11ed-92cc-b3a9bf1f67e9.jpg 624w, https://ichef.bbci.co.uk/news/800/cpsprodpb/2b0b/live/6d9a5b90-f34c-11ed-92cc-b3a9bf1f67e9.jpg 800w" alt="ፕረዚደንት ኢሳይያስ ምስ ቻይናዊ መዘናኡ ሺ ዢንፒንግ ኣብ ቤዢንግተራኺቡ" width="1199" height="1755" class="e3vrtyk0 bbc-rb7xa0 e1mo64ex0" style="box-sizing: inherit; border-style: none; display: block; width: 645.325px; height: auto;" />

ምንጪ ስእሊ,CHINA DAILY

 
Category: ትግርኛ

‘ኤርትራ፣ ንቻይና ኣገዳሲት ሃገር’ያ።’ ኣፈኛ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ፣ ዋንግ ወንቢን

ፕረዚደንት ኤርትራ፣ ኣቶ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፣ ኣብ ቻይና ናይ ኣርባዕተ መዓልታት ወግዓዊ ዑደት የካይድ ኣሎ።እቲ ፕረዚደንት፣ ኣብቲ ካብ 13 ክሳብ 17 ግንቦት ኣብታ ሃገር ዘካይዶ ዑደት፣ ምስ ፕረዚደንት ዢ ዚፒንግን ቀዳማይ ሚኒስተር ሊ ዅያንግን ብምርኻብ ኣብ ዝተፈላለየ ክልትኣውን ኣህጉራውን ጉዳያት ክመያየጡ ምዃኖም ንኣፈኛ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ፣ ዋንግ ወንቢን ብምጥቃስ፣ ሻንጋይ ደይሊ ሓቢራ።ኣብ ዝምድና ንእሽቶ ሃገር ኤርትራን ቻይናን ብምትኳር ንዝቐረበ ሕቶ፣ ኤርትራ ንቻይና ኣገዳሲ’ት ሃገር’ያ ዝበለ እቲ ኣፈኛ፣ ናይ ነዊሕ ታሪኽ ምሕዝነት ከምዘለወን ጠቒሱ።

መራሕቲ ኤርትራን ቻይናን፣ ዝዝትይሉ ኣርእስታት፣ ንክልቲኤን ሃገራት ኣብ ዘገድስ፣ ቁጠባ፣ ንግዲ፣ ምትሕግጋዝን ኣህጉራዊ ጉዳያትን ምዃኑ እኳ እንተተመልከተ፣ ብዝርዝር ኣይተነጸረን።

ኣብ ኣፍሪቃ፣ ኣብ ወፍሪን ንግድን ንምምዕባልን ፖለቲካዊ ጽልዋ ድማ ንምፍጣርን እትሕልን ዘላ ቻይና፣ ብፍላይ ምስተን ኣንጻር ሃገራት ምዕራብ ተጻራሪ ፖሊሲ ዘለወን ከም ኤርትራን ዚምባብዌን ዝኣመሰላ ሃገራት ዝምድናኣ ንምሕያል ከም እትሰርሕ ተንተንቲ የረድኡ።

ኣብ መንጎ ቻይናን ኤርትራን፣ ካብ ንፖለቲካዊ ምድግጋፍ ሓሊፉ፣ ኣብ ቁጠባ ዓቢ ረብሓ ዘለዎ ናይ ንግዲን ወፍሪን ምትእስሳር ከምዘይብለን ዘተሓሳስስቡ እቶም ተንተንቲ፣ ጠመተ ቻይና ብቐንዱ ናብተን ኣብ ኣፍሪቃ ሰፊሕ መሬት፣ ብዙሕ ዕቑር ጸጋታትን ብዝሒ ህዝቢን ዘለወን ሃገራት ከምዘተኩር የረድኡ።

ቻይና ኣብ ኤርትራ ብዘይካ ኣብ ዕደና፣ ኣብ ምህናጽ ከም ወደብ፣ ድልድላትን ካልእ ከምኡ ዝኣመሰለ ገዘፍቲ ናይ ትሕተ ቅርጺን ልምዓትን መደባት የብላን።

ብኣንጻሩ እታ ሃገር ኣብ ኢትዮጵያን ጂቡቲን፣ ናይ ቢልዮናት ዝግመት ዝተፈላለየ ናይ ልምዓት መደባት ኣብ ምክያድ ከምእትርከብ ይፍለጥ።

Category: ትግርኛ

ምብጻሕ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ናብ ቻይና እንታይ ዝዓለመ'ዩ?

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ናብ ቻይና ኣብ ዝተበገሰሉ፡ መዓርፎ ነፈርቲ ኣስመራፕረዚደንት ኤርትራ ኢሳይያስ ኣፍወርቂ ድሕሪ ነዊሕ ዓመታት ናብ ቻይና ምብጻሕ የካይድ ኣሎ።እቲ ብሰንኪ ባዕላውን ደጋውን ተነጽሎ ካብ መድረኻት ዓለም ተኸዊሉ ዝጸንሐ ፕረዚደንት፡ ድሕሪ ብዙሕ ዓመታት ንፈለማ እዋን'ዩ ካብቲ ዞባ ኣርሒቑ ወግዓዊ መገሻ ዘካይድ ዘሎ።ነቶም ብቻይና ተወዲቦም ዝካየዱ ዋዕላታት መራሕቲ ኣፍሪቃ ከይተረፈ ተሓሲምዎም'ዩ ጸኒሑ።መንግስታዊ ማዕከናት ዜና ኤርትራ ከምዝሓበርኦ፡ እቲ ላዕለዋይ ጉጅለ ልኡኽ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዑስማን ሳልሕ፡ ሚኒስተር ፋይናንስን ሃገራዊ ልምዓትን ዶ/ር ገርግሽ ተኽለሚካል ከምኡ'ውን ሚኒስተር ንግድን ኢንዱስትርን ዘጠቓለለ'ዩ።

ኣቶ ኢሳይያስ ንኣርባዕተ መዓልታት ኣብታ ሃገር ኣብ ዝጸንሓሉ እዋን ምስ ቻይናዊ መዘናኡ ሺ ዢንፒንግ ክራኸብ ምዃኑ ሚኒስተር ዜና ኤርትራ የማነ ገብረመስቀል ብትዊተር ሓቢሩ'ሎ።

"ክልቲኦም መንግስታት ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ንዘሎ ምዉቕ ክልተኣዊ ሽርክነት ንምትራር ኣብ ፖለቲካዊ፡ ቁጠባዊ፡ ፋይናንሳዊን ንግዳውን ጉዳያት ክመያየጡ እዮም" ክብል እቲ ሚኒስተር ጠቒሱ።

ኣብ ጥሪ 2022 ኣብ ኤርትራ በጺሑ ዝነበረ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ቻይና ዋንግ ዪን፡ ፕረዚደንት ኢሳይያስ "ኣብ ዝቐልጠፈ እዋን" ናብ ሃገሩ ምብጻሕ ከካይድ ካብ ፕረዚደንት ዢንፒንግ ዝተላእከ ዕድመ ኣቕሪቡ ነይሩ'ዩ።

እቲ ፈላሚ ወተሃደራውን ፖለቲካውን ስልጠና ኣብ ቻይና ከምዝረኸበ ዝንገረሉ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ቅድሚ 15 ዓመታት ንመወዳእታ ግዜ ናብ ቻይና ከምዝበጽሐ ይንገረሉ።

ኣብ ዝሓለፈ ኣስታት ክልተ-ዓሰርተ ዓመታት ኤርትራ ብተዛማዲ ምስ ቻይና ዝሓሸ ዝምድና'ዩ ጸኒሑዋ።

ቻይና ምስ ኣፍሪቃ ዘለዋ ቁጠባዊን ጸጥታውን ምትእስሳራት እናዓበየ ክመጽእ ምጽንሑ ይፍለጥ።

ቁጠባዊ ምትእስሳር ኤርትራን ቻይናን

https://ichef.bbci.co.uk/news/320/cpsprodpb/bf74/live/c8f13c80-f1de-11ed-a142-ab0e42bfd9c3.jpg 320w, https://ichef.bbci.co.uk/news/480/cpsprodpb/bf74/live/c8f13c80-f1de-11ed-a142-ab0e42bfd9c3.jpg 480w, https://ichef.bbci.co.uk/news/624/cpsprodpb/bf74/live/c8f13c80-f1de-11ed-a142-ab0e42bfd9c3.jpg 624w, https://ichef.bbci.co.uk/news/800/cpsprodpb/bf74/live/c8f13c80-f1de-11ed-a142-ab0e42bfd9c3.jpg 800w" alt="ኣብ ሕዳር 2019 ቻይናዊ ኩባንያ 'ስፌኮ' (SFECO) 134 ኬሜ ዝንውሓቱ ናብ ኣቑርደት ዝኣቱ ጽርግያ ክሰርሕ ጀሚሩ ነይሩ" width="800" height="450" class="e3vrtyk0 bbc-rb7xa0 e1mo64ex0" style="box-sizing: inherit; border-style: none; display: block; width: 645.325px; height: auto;" />

ምንጪ ስእሊ,YEMANE G. MESKEL/TWITTER

 
መግለጺ ስእሊ,

ኣብ ሕዳር 2019 ቻይናዊ ኩባንያ 'ስፌኮ' (SFECO) 134 ኬሜ ዝንውሓቱ ናብ ኣቑርደት ዝኣቱ ጽርግያ ክሰርሕ ጀሚሩ ነይሩ

 

ክልቲአን ሃገራት ካብ ፈለማ ናጽነት ኤርትራ ዝጀመረ ቁጠባዊ ምትሕግጋዝ ጸኒሑውን'ዩ።

ኣብ ፈለማ 90ታት ኩባንያታት ህንጻ ቻይና ኣብ ዳግመ-ህንጸት ናይታ ሓዳስ ሃገር ይሳተፋ ምንባረን ይዝከር።

ኣብ ዝቐጸለ ዓመታት'ውን ሓያለ ኩባንያታት ቻይና ኣብ ዳህሳስን ኲዕታን ማዕድናት ክሳተፋ ጸኒሐን።

ኣብዚ ቀረባ እዋን ጥራይ ሓደ ካብቶም ቻይናውያን ኩባንያታት ኣብቲ ዓቢ ተስፋ ተነቢሩሉ ዘሎ ዕደና ፖታሽ ሚልዮናት ኣውፊሩ'ሎ።

እቲ ሲችዋን (Sichuan Road and Bridge Group Co., Ltd.) ዝተባህለ ቻይናዊ ኩባንያ ኣስታት 200 ሚልዮን ዶላር ዝትመን 50 ሚእታዊት ብርኪ ናይቲ ኣብ ኮሉሊ ዝርከብ ፕሮጀክት ዕደና ፖታሽ ካብ ሓደ ዳናካሊ ዝተባህለ ኣውስትራልያዊ ኩባንያ'ዩ ገዚኡዎ። እቲ ዝተረፈ 50 ሚእታዊት ብመንግስቲ ኤርትራ ዝውነን'ዩ።

እቲ ናይ 200 ዓመታት ዕድመ ከምዝህልዎ ዝንገረሉ ፖታሽ ኮሉሊ ኣብ መወዳእታ 2021 ወይ መጀመርታ 2022 ምፍራይን ናብ ወጻኢ ምስዳድን ክጅምር ትጽቢት ተገይሩሉ'ኳ እንተነበረ፡ ክሳብ ሎሚ ዕደና ከምዘይተጀመረ ይግለጽ።

ትካል ጽርግያን ድልድልን ሲቹዋን (ኤስ ኣር ቢ ጂ) በቲ ኣብ ዙርያ ዓለም ኣብ ምስኣልን ምህናጽን ትሕተ ቅርጺ መጓዓዝያ ተወዳዳሪ ከም ዝዀነ ዝንገረሉ፡ ቻይናዊ ኩባንያ ሽዳዎ ዝውነን ኰይኑ ኣብ ዕዳጋ 'ስቶክ ኤክስቼንጅ ሻንጋይ' ዝተመዝገበ እዩ።

እቲ ትካል ኤርትራ ኣብ እትርከበን ልዕሊ ሰላሳ ሃገራትን ዞባታትን ዓለም ኣብ ዝተፈላለየ ዋኒናት ይነጥፍ።

ብዘይካ'ዚ፡ ሓያለ ካልኦት ትካላት ቻይና ኣብ ዳህሳስን ኩዕታን ወርቅን ካልኦት ማዕድናትን ተዋፊረን ከምዘለዋ ጸብጻባት ይገልጹ።

ኣብ ምህናጽ ጽርግያታት ዝተዋፈራ ከምዘለዋ'ውን ክግለጽ ጸኒሑ'ዩ።

ኣብ ሕዳር 2019 ቻይናዊ ኩባንያ 'ስፌኮ' (SFECO) 134 ኬሜ ዝንውሓቱ፡ ካብ ዓዲ-ጓዕዳድ ተበጊሱ፡ ብሓበላ ኣቢሉ ብምሕላፍ ናብ ምዕራባዊት ከተማ ኣቑርደት ዝኣቱ በዓል ክልተ-መስመር ናይ ቅጥራን ጽርግያ ክሃንጽ ኮንትራት ከምዝወሰደ ብወግዒ ተገሊጹ ምንባሩ ይዝከር።

ኣምባሳደር ቻይና ኣብ ኤርትራ፡ ሓላፊ ቁጠባዊ ጉዳያት ህግደፍ ኣቶ ሓጎስ ገብረሂወትን ሚኒስተር ህንጻ ኣቶ ኣብርሃ ኣስፍሃን ንምጅማርን እቲ ፕሮጀክት ብወግዒ መሪቖም ከፊቶሞ። እንተኾነ፡ እቲ ኣብ ውሽጢ ክልተ ዓመታት ክዛዘም ትጽቢት ዝተገብረሉ ፕሮጀክት ምኽንያቱ ብዘይተፈልጠ ከምዝደስከለ ጸብጻባት ይሕብሩ።

ኣብ ሕዳር 2021 ድማ ኤርትራን ኣብቲ ብ’በልት & ሮድ’ (Belt and Road) ዝፍለጥ ዓቢ ናይ ቻይና ዓለምለኻዊ ተበግሶ ምህናጽ ትሕተ-ቅርጺ ሰነድ ክትሳተፍ ፈሪማ ነይራ።

እቲ ንዓለም ብመሬትን ባሕርን ከራኽብ ትጽቢት ዝግበረሉ ተበግሶ፡ “ንክልቲአን ሃገራትን ህዝብታትን፡ ከምኡ’ውን ንማሕበረሰብ ቻይና-ኣፍሪቃ ዘርብሕ’ዩ” ክብል ኤምባሲ ቻይና ኣብ ኤርትራ ገሊጹ። እቲ ኣስታት ሓደ ትሪልዮን ዶላር ከምዝውድእ ዝግለጽ ተበግሶ፡ ንመስመራት ንግዲ ዓለም ንምስፋሕ ዝዓለመ ምዃኑ ይንገረሉ።

ብዘይካ'ዚ፡ እታ ንእሽቶ ዕዳጋ ዘለዋ ኤርትራ፡ ከም ኵለን ሃገራት ኣፍሪቃ ካብ ቻይና ብዙሕ ኣቑሑት ዝቐርበላ'ያ።

ቻይና ኣብ ሃገራት ኣፍሪቃ ትገብሮ ዘላ ሰፊሕ ወፍሪ (ኢንቨስትመን) ኣብ ናይ "ዕዳ መጻወድያ" ንምእታው ዝዓለመ ሜላ'ዩ ተባሂሉ ክንቀፍ ምጽንሑ ይፍለጥ።

ሃገራት ምዕራብ'ውን ንጽልዋ ቻይና ኣብታ ኣህጉር ንምድራት ኣብዚ ቀረባ እዋን ሓያለ ዲፕሎማስያዊን ቁጠባውን ተበግሶ ክወስዳ ጸኒሐን'የን።

እታ "ርእሰ-ምርኮሳ" ዝብል መትከል እትኽተል ኤርትራ ግን፡ ዋላ'ኳ ኣዝዩ ድኹም ቁጠባ ዘለዋ እንተዀነ ብዙሕ ዕዳ ከምዘየዋህለለት ይንገረላ።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣብ ጥሪ 2022 ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕትት ንትሕተ ቅርጺ ኤርትራ ወደባትን ጽርግያን ንምሕዳስን መገብቲ ጽርግያታት ንምስራሕን ምስ ቻይና ከምዝሻረኽ ገሊጹ ነይሩ።

እናሓየለ ዝመጽእ ዘሎ ዲፕሎማስያዊ ዝምድና

https://ichef.bbci.co.uk/news/320/cpsprodpb/042c/live/41c57310-f1e4-11ed-a142-ab0e42bfd9c3.jpg 320w, https://ichef.bbci.co.uk/news/480/cpsprodpb/042c/live/41c57310-f1e4-11ed-a142-ab0e42bfd9c3.jpg 480w, https://ichef.bbci.co.uk/news/624/cpsprodpb/042c/live/41c57310-f1e4-11ed-a142-ab0e42bfd9c3.jpg 624w, https://ichef.bbci.co.uk/news/800/cpsprodpb/042c/live/41c57310-f1e4-11ed-a142-ab0e42bfd9c3.jpg 800w" alt="ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ቻይና ዋንግ ዪን ምስ ፕረዚደንት ኢሳይያስን " width="800" height="450" class="e3vrtyk0 bbc-rb7xa0 e1mo64ex0" style="box-sizing: inherit; border-style: none; display: block; width: 645.325px; height: auto;" />

ምንጪ ስእሊ,YEMANE G. MESKEL/TWITTER

 
መግለጺ ስእሊ,

ኣብ 2022 ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ቻይና ዋንግ ዪን፡ ናብ ኤርትራ

 

ኤርትራ ምስ ዴሳዊት ህዝባዊት ሪፓብሊክ ቻይና ድሓን ዝዀነ ዝምድና'ዩ ጸኒሑዋ- ዋላ'ኳ ክብን ለጠቕን ዝነበሮ እንተዀነ።

ኣብ ፈለማ ዓመታት ናጽነት ኤርትራ'ውን፡ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ዝርከቦም ላዕለዎት መራሕቲ ኤርትራ ናብ ቻይና ክመላለሱ ይርኣዩ ነይሮም።

ኣብ ዝሓለፈ ልዕሊ 15 ዓመታት ግን ዝነበረን ርክብ ዳርጋ እናዛሕተለ'ዩ ክመጽእ ጸኒሑ። ከም መርኣያኡ ድማ፡ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ካብቲ ብተበግሶ ቻይና ዝካየድ ዋዕላ መራሕቲ ኣፍሪቃን ቻይናን ንዓመታት ርሒቑ'ዩ ጸኒሑ።

ዋላ'ኳ ቻይና ብቐጥታ ኣንጻር መንግስቲ ኤርትራ ዝውሰድ እገዳታትነ ነቐፌታታትን ዘይትርዕሞ እንተነበረት፡ ክትከላኸለላ ዘይምፍታና ንኤርትራ ባህ ካብ ዘየበሉዋ ነገራት ምዃኑ ይግለጽ።

ንኣብነት፡ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ኣብ 2009 ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዘንበሮ እገዳ ብዘለዋ መሰል ቀውፊ - 'ቬቶ' ደው ከተብሎ ትኽእል'ኳ እንተነበረት፡ ተዓቅቦ ብምግባር ሓሊፋቶ።

ብዘይካ'ዚ፡ ቻይና ምስተን ንሓያለ ዓመታት ኣንጻር መንግስቲ ኤርትራ ተሰሊፈን ዝነበራ ጎረባብቲ ሃገራት ኢትዮጵያ፡ ሱዳንን ጂቡቲን ዘለዋ ቁጠባዊን ጸጥታዊን ርክባት ዝዓበየን ዝሓየለን ምንባሩ ነቲ ምስ ኤርትራ ዝነበራ ርክብ ክዝሕትል ጠንቂ ከይኮነ ኣይተርፍን።

ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ 2018 ኣብ መንጐአን ንዝነበረ ኩነተ-ኲናት ከምዘብቅዕ ዝገበረ ስምምዕ ሰላም ድሕሪ ምፍራመን ግን፡ ቻይና ዝፈኾሰላ'ያ ትመስል።

ኣብ መስከረም 2021 ኣምባሳደር ቻይና ካይ ገ፡ ሃገሩ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዝግበር እገዳ ይዅን ምፍርራሕ እገዳ ከምእትቃወም ብወግዒ ተዛሪቡ ነይሩ።

ኣብ 2022 ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ቻይና ዋንግ ዪን፡ ናብ ኤርትራ ብምብጻሕ ምስ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ምርኻቡ ግን ዳግማይ ምብርባር ናይቲ ዝምድና ዘበሰረ'ዩ ነይሩ።

ኣብዚ ቀረባ እዋን ፕረዚደንት ኢሳይያስ ምዕራባውያን ንጽልዋን ሓይሊን ቻይና ንምግታእ ንዝገብራኦ ዘለዋ ጻዕርታት ነቒፉ ነይሩ'ዩ።

"ቻይና ሎሚ፡ ብቑጠባ፡ ብወተሃደራዊ ሓይሊ፡ ብቴክኖሎጂ፡ ብዝተፈላለየ ካልእ መለክዒታት፡ ቀዳመይቲ እያ እንተ ተባህለ፡ ምግናን ኣይኰነን። ኣብ ዝመጽእ 10-20 ዓመታት ቻይና ናበይ ገጻ እያ ክትከይድ. . .ቁጽሪ ሓደ ስግኣቶም ቻይና እያ. . .ዜሮ ሳም እዩ ኣብ ሓንጐሎም ዝሰርሕ። ስለዚ ንቻይና ክቕርቅሩዋ ክኽእሉ ኣለዎም" ኢሉ።

እዚ ናይ ሎሚ ምብጻሕ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ናብ ቻይና እምበኣር፡ ብርሕቀቱን ዕምቆቱን ሓድሽ ምዕራፍ ዝኸፈተ'ዩ ዝመስል።

ባህላውን ማሕበራውን ርክባት

ኣብ መንጐ ክልቲአን ሃገራት ዝጸንሐ ባህላውን ማሕበራውን ርክባት ሓደ እወታዊ ገጽ ናይ ዝምድናታተን እዩ።

ንኣብነት ቻይና ንኤርትራውያን ተመሃሮ እትህቦ ዕድላት ማህደረ-ትምህርቲ ነታ ኣብ ተነጽሎ ዝጸንሐት ኣፍሪቃዊት ሃገር ገጻ ካብ ምዕራብ ናብ ምብራቕ ከተቋምት ገይሩዋ'ዩ።

ብዙሓት ኤርትራውያን ካብ ብዙሓት ዓበይቲ ትካላት ትምህርቲ ቻይና ብዝተፈላለየ ዓወዲ ዝተፈለለየ ማዕርግ ተቐቢሎም እዮም።

ቻይና ብወገና፡ ከም መቐጸልታ ኣብ ኣፍሪቃ ዝጀመረቶ ባህላዊ ጽልዋ፡ ኣብ ኤርትራ ሓደ ትካል ምህናጻ ይፍለጥ።

ኣብ መጋቢት 2017፡ ኣምባሳደር ቻይና ኣብታ ሃገር ዝነበረ ዮንግ ዚጋንግን ሚኒስተራትን ኣብ ዝተረኽብሉ፡ 4 ሚልዮን ዶላር ዝውድእ ህንጻ "ኮንፉሸስ ኢንስቲትዩት፡ ማእከል ቋንቋን ባህልን ቻይና" ክህነጽ ከምዝተጀመረ ተገሊጹ ነይሩ።

ቻይናውያን ሓካይምን ክኢላታት ጥዕናን'ውን በብግዚኡ ናብ ኤርትራ እናመጹ ክተሓጋገዙ ጸኒሖም'ዮም።

ምብጻሕ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ናብ በይጂን ነዞም ዝጸንሑ ተበግሶታት ብኸመይ ከምዘሐይሎም ኣብዘን ዝመጻ ኣርባዕተ መዓልታትን ዝመጻ ሒደት ዓመታትን ዝርአ ክኸውን'ዩ።

Category: ትግርኛ

ኢትዮጵያን ኤርትራን ኣብ ኵነታት ሱዳን እንታይ ግደ ክህልወን ይኽእል?

መራሕቲ ብሰንኪ ናህሪ ዋጋ መነባብሮ ዝጀመረ ምንቅስቓስ ተቓውሞ ህዝቢ ሱዳን፡ ነቲ ንኣስታት ሰለስተ ዓሰርተታት ዓመታት ንሱዳን ዝገዝእ ዝነበረ ዑመር ሓሰን ኣልበሽር፡ ኣብ 2019 ካብ ስልጣን ኣውረድዎ።ድሕሪ ለውጢ፡ እታ ሃገር ናብ ዲሞክራስያዊ ምሕደራ ክሳብ እትሰጋገር፡ ኣብ መንጐ ሲቪላውያን ፖለቲከኛታትን ወተሃደራዊ መራሕቲን ስምምዕ ምክፍፋል ስልጣን ተገይሩ።ኣብዚ መስርሕ እዚ ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ሱዳናውያን ናይ ህይወት ዋጋ ከፊሎም። እዚ ግን ንህዝቢ ሱዳን ካብቲ ልዑል ዋጋ መነባብሮ ኣየድሓኖን።

ድሒሩ ብጀነራል ዓብደልፈታሕ ኣልቡርሃን ዝምራሕ ወተሃደራዊ ሓይሊ፡ "ኲናት ሓድሕድ" ንምክልኻል ብዝብል፡ ዕልዋ መንግስቲ ብምክያድ ካብ ሲቪላዊ ቀዳማይ ሚኒስተር ዓብደላ ሓምዶክ ስልጣን መንዚዑ።

ኣልቡርሃን ሱዳን፡ ናብ ሲቪላዊ ምምሕዳር ንምስግጋር ተወፋይነት ከምዘለዎ እዩ ዝገልጽ።

ንወተሃደራዊ ሓይሊ ዘይኣምኑ ደለይቲ ዲሞክራሲ ፖለቲከኛታት ግን፡ ኣንጻር እቲ ወተሃደራዊ መንግስቲ ድምጾም ኣስሚዖም፤ ዲሞክራስያዊ ስርዓት ክትከል ብሰለፍን ተቓውሞን ክሓቱ ጸኒሖም እዮም።

እዚ ንኣዋርሕ ብዘይምቍራጽ ቀጸለ፤ ሱዳን ብኽልተ ወተሃደራዊ ጀነራላት ብመሰጋገሪ ልኡላዊ ቤት ምኽሪ ክትመሓደር ጸኒሓ።

ኣዛዚ ሰራዊት እታ ሃገር ጀነራል ዓብደልፈታሕ ኣልቡርሃን ቀንዲ ኣካል ናይቲ ልኡላዊ ባይቶ ኰይኑ፡ ኣዛዚ ፍሉይ ሓይሊ ዝዀነ ጀነራል መሓመድ ሓምዳን ዳጋሎ (ሄመቲ) ድማ ምክትል ኰይኑ ጸኒሑ።

እቲ ተቓውሞ እናቐጸለን ምስግጋር ስልጣን ናብ ሲቪላዊ ምምሕዳር እናቐረበ ምስ ከደን፡ ኣብ መንጐ እቶም ጀነራላት ዝነበረ ምትፍናን ርኡይ እናዀነ መጺኡ።

ምክትል ፕረዚደንት ሃገራዊ መሰጋገሪ ልኡላዊ ባይቶ ሱዳን ጀነራል ሓምዳን ዳጋሎ፡ እቲ ብጀነራል ቡርሃን ዝምራሕ ብወተሃደራዊ ዕልዋ ዝመጸ መንግስቲ ምንቃፍ ጀሚሩ፤ ኣብኡ ምስታፉ'ውን ከም ጌጋ ክገልጾ ተሰምዐ።

መበገሲ ናይዚ ሕጂ ዘሎ ግጭት፡ ኣብ መንጐ ክልቲኦም ጀነራላት ዘሎ ዘይምርድዳእ እዩ።

እቶም ጀነራላት ስልጣን ንሲቪላዊ ምምሕዳር ከረክቡ ቃል ብምእታው፡ ኣባላት ሓይሊ ጀነራል ዳጋሎ ናብ ሰራዊት እታ ሃገር ክጽንበሩ ክፈቕዱ ተሰማሚዖም።

ብሕሜቲ ዝምራሕ 100 ሽሕ ኣባላት ዝሓቘፈ ሓይሊ ህጹጽ ደገፍ፡ መዓስ እዩ ናብ ሰራዊት እታ ሃገር ዝጽንበር? ካብ ክልቲኦም ጀነራላት ግን ብድሕሪኡ ነቲ ዝተዋሃሃደ ሓይልታት መን ይመርሖ? ኣብ ዝብሉ ቁልፊ ጉዳያት ኣይተሰማምዑን።

እቶም ጀነራላት ፍልልያቶም ብዘተ ንምፍታሕ ንመዓልትን ሰሙናትን'ኳ እንተፈተኑ፡ ኣይከኣሉን። ኣብ ክንድኡ፡ ሰራዊቶም ኣዋፊሮም፡ ናብ ቅሉዕ ግጭት ኣምሪሖም።

ክልቲኦም ጀነራላት ኣብ ሱዳን ጥራይ ዘይኰነስ ብድሕሪኦም ዝድግፉን ዝቃወሙን ሓይልታትን ሃገራትን ከምዘለዉ ይንገር።

ካብኣተን፡ ጐረባብቲ ሃገራት፡ ኣብ ስግር ባሕሪ ዘለዋ ሃገራት ወሽመጥ ዓረብ፡ ሓያላን ሃገራት ዓለም ከይተረፋ፡ ብሓደ ወገን ወይ ብኻልእ ወገን ደው ኢለን ከምዘለዋ ይዝረብ።

ኢትዮጵያን ኤርትራን ኣበይ ኣለዋ?

ፖለቲካ ምብራቕ ኣፍሪቃ ብቐረባ ዝከታተል፣ ግብጺ ዝመደበሩ ኤርትራዊ ጋዜጠኛ ማሕሙድ ኣቡበከር ኣብ ዝተፈላለዩ መራኸቢ ብዙሃን ሰሪሑ እዩ። ፖለቲካዊ ሳይንስ ዝተማህረ ማሕሙድ፡ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ብዛዕባ ስትራተጂያዊ ፖሊሲ ኣመሪካ ዝምልከት መጽናዕቲ ዝግበረ እዩ።

ኤርትራ ምስ ሩስያ ዘለዋ ምሕዝነትን ኣብ ቀረባ እዋን ጀነራል መሓመድ ሓምዳን ዳጋሎ ናብ ኣስመራ ዝገበሮ ጕዕዞን ኣብ ግምት ብምእታው፡ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ነቲ ብሕሜቲ ዝምራሕ ሓይሊ ክድግፍ ምዃኑ ይእመን።

ንሱ ግን ኣይሰማማዕን እዩ።

ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ ተለቪዥን ኤርትራ ቀሪቡ ቃለ መሕትት ዘካየደ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፍወርቂ ብምውካስ፡ "እቲ ኣፍልጦን ደገፍን ንጀነራል ኣልቡርሃን ዝተዋህበ ይመስል። እዚ ምስቲ ብዙሓት ሰባት ዝሓስብዎ ዝጻረር እዩ" ይብል።

ነዚ ዘቕርቦ ምኽንያት ድማ እቲ ፕረዚደንት፡ እቲ ጸገም ብከም በዓል ኢጋድ ዝኣመሰሉ ዞባዊ ውድባት ክፍታሕ ከምዝኽእል ስለዝገለጸ እዩ። ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡ ንፈለማ እዋን ስም ኣሜሪካ ብሕማቕ ኣየልዐለን፡ ጥራይ ዘይኮነስ መርገጺኦም ምስ ናይ ዋሽንግተን ዝመሳሰል ከምዝዀነ ይዛረብ።

ኣብዚ ቃለ መሕትት፡ እቲ ፕረዚደንት ነቐፌታኡ ናብ ሕቡራት ሃገራትን ኣህጉራዊ ትካላትን እዩ ኣቕኒዑ፣ ይብል።

ከም ዝዝከር ኣብቲ ቃለ መሕትት፡ ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡ መንግስቲ ኤርትራ እቲ ብዘይ ዝዀነ ይዅን ሻርነት ናብ 'በሪ ኣማን' - ውሑስ ምስግጋር - ከብጽሕ ዝኽእል እቲ ሰራዊት ጥራይ እዩ ኢሉ ከም ዝኣምንን፡ ቀንዲ ርክቡ ኸኣ ምስ ጀነራል ዓብዱልፋታሕ ኣልቡርሃን ከምዝነበረ ገሊጹ እዩ።

“ከም ጐረቤት ከም መሻርኽትን ቀጥታዊ ዝምድናናን ዝዀነ እንገብሮ ምምኽኻርን ምስ ቡርሃን እዩ ጸኒሑ” ብምባል፡ ንሱዳን ናብ ውሑስ ምስግጋር ከብጽሓ ዝኽእል እቲ ሰራዊትን እዩ ዝብል ዝጸንሐ መርገጺ ኤርትራ ኣመልኪቱ ነይሩ።

ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ኣብ ዝርከብ ዩኒቨርሲቲ በርሚንግሃም መምህር ፖለቲካ፡ ፌደራሊዝምን ፖሊሲን ዶክተር ብዙነህ ይመኑ፡ ኢትዮጵያን ኤርትራን "ንሓደ ካብቶም ክልተ ጀነራላት ከም ዝደገፋ ዝሕብር ጭቡጥ ሓበሬታ የለን" ይብል።

እቶም ክሳብ ሕጂ ካብ ክልቲኦም ጀነራላት ኣየናይ ዓብላልነት ከምዘሎ ኣብ ዘይተፈልጠሉ እዋን፡ ኣብዚ እዋን’ዚ ንሓደ ነጺልካ ምድጋፍ ሓደገኛ ከምዝኸውን ከኣ የመልክት።

እንተዀነ እቲ ኲናት እንተተናዊሑ፡ ንምርግጋእ ሱዳን ብዝብል "ጐረባብቲ ሃገራት ምናልባት ንሓዲኡ ወገን ክድግፋ እየን" ይብል።

https://ichef.bbci.co.uk/news/320/cpsprodpb/d0f2/live/a9c16840-ed73-11ed-a142-ab0e42bfd9c3.jpg 320w, https://ichef.bbci.co.uk/news/480/cpsprodpb/d0f2/live/a9c16840-ed73-11ed-a142-ab0e42bfd9c3.jpg 480w, https://ichef.bbci.co.uk/news/624/cpsprodpb/d0f2/live/a9c16840-ed73-11ed-a142-ab0e42bfd9c3.jpg 624w" alt="መራሕቲ ሱዳን" width="624" height="351" class="e3vrtyk0 bbc-rb7xa0 e1mo64ex0" style="box-sizing: inherit; border-style: none; display: block; width: 645.325px; height: auto;" />

ምንጪ ስእሊ,GETTY IMAGES

ግደ ኢትዮጵያን ኤርትራንከ?

ብመሰረት ጋዜጠኛ ማሕሙድ፡ ፕረዚደንት ኢሳይያስ "ኣብ ሓንቲ ሃገር ሓደ ሓያል ሰራዊት ምህላው" እዩ ዝድግፍ።

ድሕሪ ውድቀት ኣልበሽር እታ ሃገር ብሓደ ስሩዕ ሰራዊት ጥራይ ክትግዛእ ከም ዝነበራን፡ ነቲ ሕጂ ዘሎ ህውከት ድማ ከም ጠንቂ ፍሽለት ስምምዕ ምቛም ሓባራዊ መንግስት ምዃኑ ይገልጽ።

ኣብ መንጐ ሲቪላውን ወተሃደራውን ሓይልታት ሓባራዊ መንግስቲ ዝቘመ ኰይኑ፡ ዓብደላ ሓምዶክ ቀዳማይ ሚኒስተር ኰይኑ ተመስሪቱ ምንባሩ ዝዝከር እዩ።

እዚ ኣብ ምትዕርራይ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ኣገዳሲ ግደ ከምዝተጻወተ ይዝከር።

እቲ ግጭት ምስ ተበገሰ፡ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ክልቲኦም ወገናት ክዛረቡን ነቲ ጸገም መፍትሒ ክረኽብዎን ጻውዒት ከምዘቕረበ ይዝከር።

በዚ ኣጠማምታ እዚ ግን፡ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ናብ ሓደ ወገን ናይ ምጽጋዕ ዝንባለን ርእይቶን፡ ኣንጻር ተበግሶ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ይመስል- ይብል።

ከም ኣገላልጻ ማሕሙድ፡ ዝምድና ሱዳንን ኢትዮጵያን ብፍላይ ድሕሪ’ቲ ኲናት ትግራይ፡ ተወቒዑ እዩ።

“ሓያል ዘይምትእምማን ኣሎ። ሕጂ ግደ ኢትዮጵያ ውሑድ እዩ። ብርግጽ መርገጺ ኢትዮጵያ ቀዳምነት ክወሃቦ ይግባእ ነይሩ። ዋላ'ኳ ምስ ቱርኪ ሓባራዊ ተበግሶ ከም ዘቕረቡ ዝሕብር ሓበሬታ እንተሃለወ፡ ክሳብ ክንድዚ ቦታ ዝወሃቦ ኣይኰነን" ኢሉ።

ኢትዮጵያ ኣብ መንጐ ክልቲኤን ሃገራት ዘሎ ርክብ ካብ ምርኣይ ሓሊፋ ሽግር ሱዳን ንምፍታሕ ሓገዝ ቱርኪ ኣየድልያን እዩ።

ዶክተር ብዙነህ ብወገኑ፡ ክልቲአን ጐረባብቲ ሃገራት ኣብ ክንዲ ንሓደ ውድብ ዝድግፋ፡ እንተተኻኢሉ ኣብቶም ዝዋግኡ ወገናት ክዘራረቡ ከተባብዓ ይግባእ ኢሉ።

ምስ ጐረባብቲ ሃገራትን ኣህጉራዊ መሻርኽትን ዘለዎም ዝምድና ኣብ ግምት ብምእታው፡ ኣብ ሃገራዊ ረብሓታት ብምትኳር፡ ኣብ ሱዳን እንታይ ይፍጸም ከምዘሎ እውን ክከታተላ ይግባእ።

ኣብ ርእሲ’ቲ ኣብ መንጐ ኢትዮጵያን ኤርትራን ኣብ ሱዳን ዝካየድ ዘሎ ኲናት ምትንታን፡ ግብጽን ሱዳንን ብሰንኪ ዓቢ ግድብ ህዳሰ ምስ ኢትዮጵያ ንዓመታት ክሰሓሓባ ከምዝጸንሓ የመልክት።

ኢትዮጵያን ካልኦት ጐረባብቲ ሃገራት፡ እቲ ኲናት በዚ ኵነታት ክዛዘም ስለዘይደልያ፡ እተን ሃገራት ከም ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ሕብረት ኣፍሪቃን ዝኣመሰሉ ትካላት ተጠቒመን ክልቲኦም ወገናት ናብ ልዝብ ዝምለሱሉ መንገዲ ክጸርጋ ይግባእ ይብል።

ተንታኒ ፖለቲካ ኣደም ካሴ ኣብ ቀረባ እዋን ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ኢትዮጵያ ምስ ሱዳን ዘለዋ ዝምድና ብዓይኒ ኣህጉራዊ ዝምድናታት ክትጥምቶ ኣለዋ፣ ኢሉ ነይሩ።

ኢትዮጵያ ኣብ ሰሜናዊ ክፋል እታ ሃገር ኣብ እዋን ኲናት ብሱዳን ተወሲድኒ እትብሎም ሰፋሕቲ ግዝኣታት፡ ብመንጽር ሰላምን ኣህጉራዊ ተቐባልነት ብዘለዎ መገዲን ክትዝትየሉ ይግባእ ይብል።

ግዝኣታዊ ይግበኣኒ ዝለዓለሉ ከባቢታት፡ ብሓይሊ ዳግማይ ንምሓዝ ምፍታን ተግባራዊ ከምዘይኰነ ይገልጽ።

እቲ ግጭት ንኢትዮጵያን ኤርትራን ይጸሉ ዶ?

ኣብ ሱዳን ዘሎ ግጭት ኣብ ካርቱምን ከባቢኣን ጥራይ ዝተሓጽረ ኣይኰነን። ናብ ካልኦት ከተማታት'ውን ተዘርጊሑ ኣሎ። ክሳብ ሕጂ ግን ኣብ ኢትዮጵያ ይዅን ኣብ ኤርትራ ከምዚ ዓይነት ጽልዋ ኣይፈጠረን።

እቲ ግጭት እናገደደ እንተቐጺሉ ግን፡ ነቶም ሰፊሕ ዶብ ዝዳወቡ፡ ኣብዘን ባህላውን ብሄራውን ብዙሕነት ዘለወን ሃገራት እቲ ሓደጋ ቀሊል ከይከውን ከምዝኽእል ይእመን።

ኣብ ሱዳን ዘሎ ግጭት እንተተናዊሑ፡ ኣብ ልዕሊ ክልቲአን ጐረባብቲ ሃገራት ጸቕጢ ክሕይል ምዃኑ ኵሎም ምሁራት ይሰማምዑ።

"ህዝቢ ኢትዮጵያ ሽግር ምስ ኣጋጠሞ ናብ ሱዳን እዩ ዝስደድ። ዜጋታት ሱዳን ምስ ዝሽገሩ ናብ ኢትዮጵያ ይስደዱ" ይብል ዶክተር ብዙነህ።

ምስ ኢትዮጵያ ሰፊሕ ዶብ ዘለዋ ሱዳን ንኢትዮጵያ ጸጥታዊ ስግኣት ክትከውን ከምእትኽእል’ውን የረድእ።

ንኤርትራውያንውን ሱዳን፡ ካብቲ ኣብ መፋርቕ 60ታት ኣብ እዋን ቃልሲ ንናጽነት ዝጀመረ ስደት ኣትሒዙ ከም ካልኣይቲ ሃገሮም እያ ትርአ፤ ሱዳን ካብ ኤርትራ ዝተሰደዱ ኣማኢት ኣሽሓት ኤርትራውያን ዝነብሩላ ጐረቤት ሃገር ኰይና፡ ገሊኦም ኣብኡ ነዊሕ ዓመታት ዝተቐመጡን ምስቲ ህዝቢ ተወሃሂዶምን ተዋሊዶም ክነብሩ ዝጸንሑን እዮም።

ዶክተር ብዙነህ፡ ንዶብ ሱዳንን ኢትዮጵያን ኣመልኪቱ፡ ኣብቲ ከባቢ ዝፍጸም ስደት ደቂ ሰባትን ዘይሕጋዊ ምስግጋር ኣጽዋርን ነቶም ኣብ ዶባት ዝንቀሳቐሱ ዕጡቓት ኣጽዋር ብቐሊሉ ከም ዝረኽብዎም ከም ኣብነት ይጠቕስ።

ዕጡቓት ጥራይ ዘይኮኑ ሰላማውያን ሰባት'ውን ብቐሊሉ ኣጽዋር ዝረኽብሉ ዕድል ብምፍጣር ምንጪ ግጭት ክኸውን ከምዝኽእል ይዛረብ።

ካልእ ድማ፡ ተዋጋእቲ ሱዳን ንዶብ ኢትዮጵያ ከም መጽለሊ ክጥቀሙሉ ዝኽእሉ ተኽእሎታት ኣልዒሉ፡ እቲ ኲናት እንተተናዊሑ "ነታ ናብ ሰላም እትምለስ ዘላ ኢትዮጵያ ክህውኽ ይኽእል'ዩ" ዝብል ስክፍታኦም ገሊጾም።

"እቲ ኲናት ናብ ምብራቕ ሱዳን [ጋዳሪፍ፡ ከሰላን ከባቢኣን] እንተቐሪቡ፡ ንኢትዮጵያን ኤርትራን ከቢድ ናይ ጸጥታ ጸገማት ከጋጥመን ይኽእል'ዩ። እዚ ኲናት እንተቐጺሉ ብዙሕ በሰላ ክገድፍ ይኽእል'ዩ" ይብል ጋዜጠኛ ማሕሙድ።

ኣብ ሱዳን ዝካየድ ዘሎ ኲናት ኣብ ጐረባብታ ብዙሕ ሸነኻት ዘለዎ ጽልዋ ከምዘሕድር ኣመልኪቱ፣ እቲ ኲናት ዘስዕቦ ስግኣት ናብ ሰፊሕ ምዝንባልን ስደትን ሱዳናውያን ከስዕብ ከምዝኽእል ይግምት።