ኣብ ኢትዮጵያ ተኸሲቱ ዘሎ ዘተሓሳስብ ኩነታት ብዝምልከት ብፈጻሚ ቤት ጽሕፈት ኤስደለ ዝወጸ መግለጺ

ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣቢይ ኣሕመድ ኣብ ስልጣን ካብ ዝመጽእ ጀሚሩ በብእዋኑ እናሻሕከረ ክመጽእ ዝጸንሐ ፖለቲካዊ ኩነታት ኢትዮጵያ፡ ኣብዚ ሒዝናዮ ዘለና ወርሒ ሕዳር ናብ ዝለዓለ ጥርዙ በጺሑ ክሳብ ኣብ ብረታዊ ጎንጺ ተበጺሑ ኣሎ።