ናብ ኩናት ምእታው ብዋጋ ኣህዛብ ስልጣንካ ምንዋሕ ፈጺምና ንኹንኖ፡

ካብ ዕለት 08/ 11/ 2020 ጀሚሩ ዘሎ መዓልታት ኣብ ሞንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን፡ ብፍላይ ብግንባር መረብ ሰቲት ብብዝሒ ምንቕስቓስ ሰራዊትን ታንክታትትን፡ ኩሉ ዓይነት ሎጂስቲካዊ ትሕዝቶን ናይ ሕክምና መጥባሕቲ ኣሃደን ምግዕዓዝ ክግበር ከምዝጸንሔ ይፍለጥ።