ዝክሪ በዓል ፈንቅል መዘከርታ ንውሕስነት ኤርትራዊ ቀይሕ ባሕሪ

ብ እዋን መግዛእቲ ኢትዮጵያ፡ እታ ከም ቀንዲ መትኒ ካልኣይ ኣቤታዊ ሰራዊት ኢትዮጵያ ኮይና ዝነበረት ወደባዊት ከተማ ምጽዋዕ ብተባዕ ኤርትራዊ ተጋዳላይ ሓንሳብን ንሓዋሩን ንዓና ኤርትራዉያን ዝተረከበትላ ዕዉቲ ስርሒት ፈንቅል እያ ኔራ። ኣብዚ ፍሉይ ዝገብሮ ኣብዛ ስርሒት እዚኣ ንመጀመርታ እዋን ሓይሊ ባሕሪ ኤርትራ ብንጥፈት ባሕሩ ንምሕራር ምስታፉ'ዩ።