ኤርትራ: ኣብ ርእሰከተማ ኣስመራ ሕጽረት መሰረታዊ ቀረባት ከምዘሎ ጸብጻባት ሓቢሮም

ኣስመራእቲ ናብ ኤርትራ ክኣቱ ዘይልሙድ ፍቓድ ዝተዋህቦ ጋዜጠኛ፡ ኣብታ ከተማ ዘለዉ እንዳ ሻሂታት ጸምዮም፡ ከብሕታት ደዃክን ጥራዮም ተሪፎም ከምዝራኣየ ጠቒሱ። ናይ መድሃኒት ቀረባት የንቆልቁል ከምዘሎ'ውን እቲ ጸብጻብ የረድእ። መንእሰያት ኤርትራ ኲናትን ወረ ኲናትን ከምዘሰልከዮም ገለ ነበርቲ ከምዝሓበርዎ'ውን ጸብጻብ 'ዘ ኢኮኖሚስት' ገሊጹ።