10 ኤርትራውያን ኣትሌታት ኣብ ቻምፕዮና ዓለም ይሳተፉ ኣለዉ

ኣብ ቻምፕዮና ዓለም ዝወዳደሩ ዘለዉ ኤርትራውያን ኣትሌታትን ኣሰልጠንቶምንካብ ሎሚ ጀሚሩ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ከተማ ኦሪጎን ኣብ ዝካየድ መበል 18 ቻምፕዮና ኣትለቲክስ ዓለም፤ ሸውዓት ደቂ ተባዕትዮን ሰለስተ ደቂ ኣንስትዮን ኤርትራውያን ይሳተፉ ኣለዉ። ኣብቲ ካብ ሎሚ 15 ሓምለ ጀሚሩ ክሳብ 24 ሓምለ ዝካየድ ድሕሪ ውድድራት ኦሎምፒክ ብኻልኣይ ደረጃ ዝስራዕ ቻምፕዮን ኣትለቲክስ ዓለም፡ ኤርትራውያን ኣትሌታት ብኣሰልጠንቲ ሊቪንግስቶን ኣብርሃምን በርሀ ኣስገዶምን ተመሪሖም’ዮም ውድድሮም ከካይዱ