መርድእ ኣዚና እነፍቅራን እነኽብራን ኣዴና ወ/ሮ ትዕበ ቦኽረጽዮን በላይ ብዝሓደራ ሕማም ድሕሪ ናይ ሓያሎ እዋን ኣብ ትሕቲ ሕክምና ቊጽጽር ክትእለ ምጽናሕ መጸዋዕታ እግዚኣብሔር ኮይኑ ብዕለት 23.07.2022 ኣብ መበል ሰብዓን ክልተን ዕድሜኣ ከምዝዓረፈት ንዂሉ ቤተሰብን ፈታውን ንሕብር። ሬሳ ወላዲትና ንዓዲ ክኸይድ ስለዝኾነ ን ሰንበት መዓልቲ ዕለት 31.07.2022 ኣብ ናይ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን St. Martins Kirche - Johannes Str. 21, 70806 Kornwestheim ( ጥቃ ባንሆፍ ኮርንቨስትሃይም ዝርከብ ) ሓዘን ካብ ፍርቂ መዓልቲ ዝጅምር ሰዓት 14፡30 ፍትሓት ብግዕዝ ሪቱስ ብቀሺ ዘርኦም ኣብርሃ ተኻይዱ ቀጺሉ ከኣ መፋነዊ ኣብ ኣደራሽ ክግበረላ እዩ።