ኣብ 2016 ካብ ሱዳን ናብ ግብጺ ዝተበገሱ 32 ኤርትራውያን ኣበይ ተሸርቡ? ኣብ ፈለማ ወርሒ ሰነ 2016፡ ብመገዲ ኣሰጋግርቲ ካብ ሱዳን ናብ ግብጺ ብመኪና ምስ ዝተበገሱ 32 ኤርትራውያን ስደተኛታት፡ ኣንዋርን ኣይመንን ዝተባህሉ ክልተ ኣሕዋት ነበሩ።ኣብቲ ግዜ'ቲ ወዲ 14 ዓመትን መንፈቕን ዝነበረ ኣንዋር ማሕሙድ ኣሕመድ ታልከ፡ ሽዑ ወዲ 24 ዓመት ምስ ዝነበረ ሓዉ ኣይመን ማሕሙድ ኣሕመድ ታልከን ወዲ ሓወቦኦም ጀማል ታልከ ኣሕመድን፡ ከምኡ'ውን ኣሮንን ኣወልኬርን ዝተባህሉ ክልተ ኣዕሩኽቶምን ዝርከብዎም 32 ሰባት፡ ብ02 ሰነ 2016 ካብ ካርቱም ተበጊሶም ናብ ግብጺ ኣምርሑ።