ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ብሪጣንያ፣ ‘ካራሩ ዝዓጠቑ በጋሚንዶታት ኣጥቂዖሙና’ ክብል ወቒሱ ኣብ ሃገራት ኤውሮጳን ኣመሪካን ክካየድ ዝተወጠነ ፌስቲቫላት ህግደፍ፣ ካብ መንእሰያት ሓያሎ ተቓውሞ ገጢምዎ፣ መብዛሕትኡ ኣብ ዝፈሸለሉ ፍጻሜታት፣ ሰበ ስልጣን መንግስቲን ኤምባሲታትን ኤርትራ ዘለፋ ዝተሓወሶ መግለጺታት የውጽኡ ኣለዉ።