ኤርትራዊት ኦሎምፒካዊት ኣትለት ራሄል ዳንኤል፡ ኣብ ከተማ ካሊ ኮሎምብያ ኣብ ዝተሰላሰለ ውድድር ጉያ 10 ሽሕ ሜትር ቀዳመይቲ ተዓዊታ ኣብ መሳልል ደረጃ ኣትሌታት ውድድር ጉያ መሮር ዓለም ኣብ ቀዳማይ ተርታ ተሰሪዓ እትርከብ፣ ኤርትራዊት ኦሎምፒካዊት ኣትለት ራሄል ዳንኤል፡ ሎሚ ሰንበት 11 መስከረም፡ ኣብ ከተማ ካሊ ኮሎምብያ ኣብ ዝተሰላሰለ ውድድር ጉያ 10 ሽሕ ሜትር LA CARRERA DEL PACÍFICO ቀዳመይቲ ብምውጻእ ትርኑዕ ዓወት ኣመዝጊባ።