ኤርትራ፣ ‘ዕቑር ሰራዊት’ ኣንሶላን ስንቂን ሒዞም ብዝቐልጠፈ ናብ ኣሃዱታቶም ክጽንበሩ ይጽውዑ

ኣብ ኤርትራ፣ ብሕማም፣ ሓገዝ ንስድራቤታት ይኹን ካልእ ምኽንያታት ኣብ ገገዝኦም ዝጸንሑ ኣባላት ሰራዊት ብዝቀልጠፈ ናብ ኣሃዱታቶም ክጽንበሩ ህጹጽ ጻውዒት ይቐርብ ኣሎ።እቲ ጻውዒት፣ ክሳብ 55 ዓመት ንዝዕድሚኦም ዝምልከት ኮይኑ፣ ኮበርታ ወይ ኣንሶላን ንግዚኡ ዝኸውን ስንቂን ሒዞም ናብ ኣሃዱታቶም ክጽንበሩ ዝጠልብ’ዩ።