ዳሃይ ኤርትራ

ሰላም ዝኸበርኩም ሰማዕትና መደብ "ዳሃይ ኤርትራ"ሰሙናዊመደብቲቪ መለይ ኣብ ህሉው ኩነታት ኤርትራን ከባቢኣን ዝድህስስ ንሎሚ 23መስከረም 2022 ዘዳለናለዮ መደብ እንሆ ሰናይ ምክትታል።ስርዓት ህግደፍ ከም ኣመሉ ኣብ ዜጋታት ዘለዎ ንዕቀት ንሕስያ ብዘይብሉ ብኹሉ ግንባራት ኤርትራ ኲናት ወሊዑ ኣሎ። ኣብ ዝሓለፈ ኣብ ኢትዮጵያ ሕድሕድ ኲናት ኣብ ጎኒ ኣቢ ኣሕማድ ብምስላፍጣልቃ ብምእታዉ: ሎሚ ውን ንሱ ብዝመርሖ ባዕሉ ኲናት ኣብ መንጎ ሰራዊትኤርትራን ሓይልታት ትግራይን ወሊዕ ኣሎ። ንኤርትራ ኣብ ዘዋስን ከባቢታት ኣብ ሓያል ደማዊ ኲናትቀንዩን ይቕጽል ኣሎን።