ግፋ ደው ይበል መሰል ሰብ ይከበር

ሕዝቢ ኤርትራ ኣብ ክቱር ራዕድን ፍርህን ይነብር ኣሎ። ምኽንያቱ ብሕጊ ብቅዋምን ተመሪሑ ወይ ተገዚኡ ዘማሓድሮ መንግስቲ ስለ ዘይብሉ እዩ። እዚ ዘሎ ስርዓት ንሕዝቢ ዘሳቅየሉ ሓደ ኣገባብ ንኣባል ስድራቤት ኤርትራ ብሓይሊ ካብ ዝረኸቦም ቦታ መንጢሉ ብምዉሳድ እዩ። በዚ ዘሎ ስርዓት ኣብ ገጠራት ኤርትራ ብቛንቛ ሕዝቢ “ግፋ” ተባሂሉ ዝስመ ካብ ዝካየድ ልዕሊ ኣርብዓ ዓመት ኮይኑ’ሎ።