ኣብ መላእ ኤርትራ፣ ዝቕጽል ዘሎ ጽዑቕ ግፋ፣ ንብዙሓት ስድራቤታት ብዘይኣለይቲ ኣትሪፉ

ኣብ መላእ ኤርትራ፣ ዝቕጽል ዘሎ ጽዑቕ ግፋ፣ ንብዙሓት ስድራቤታት ብዘይኣለይቲ ኣትሪፉኣብ ኤርትራ፣ ኣብ ሓያሎ ከባቢታት ዝቕጽል ዘሎ ጽዑቕ ግፋ፣ ስድራቤታት ብዘይኣለይቲ ኣትሪፉ ምህላዉ ምንጭታት ራድዮ ኤረና ሓቢሮም። ኣብ ርእሲ’ቲ፣ ኩሎም’ቶም፣ ብሕማም፣ ሓገዝ ንስድራቤታት ይኹን ካልእ ምኽንያታት ኣብ ገገዝኦም ዝጸንሑ ኣባላት ሰራዊት ብዝቀልጠፈ ናብ ኣሃዱታቶም ክጽንበሩ ዝተኻየደ ህጹጽ ጻውዒት፣ ገዛ ገዛ ብምእታው ‘ውን ጽዑቕ ግፋ ይቕጽል ምህላዉ ይፍለጥ።