ፓሪስ፣ ኣብ ጎደናት ክሓድሩ ዝጸንሑ ኣማኢት ዜጋታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ናብ ውሕሱ ቦታ ግዒዞም

ፓሪስ፣ ኣብ ጎደናት ክሓድሩ ዝጸንሑ ኣማኢት ዜጋታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ናብ ውሕሱ ቦታ ግዒዞምኣብ ፈረንሳ፣ ከተማ ፓሪስ፣ ኣብ ጎደናታት ክሓድሩ ዝጸንሑ ኣስታት 700 ሓተቲ ዑቕባ፣ ሎሚ ሓሙስ 27 ጥቅምቲ፣ ናብ ውሕሱ ቦታ ግዒዞም። እቶም መብዛሕቶም ዜጋታት ኤርትራ፣ ኢትዮጵያን ኣፍጋኒስታንን ምዃኖም ዝተገልጹ ሓተቲ ዑቕባ፣ ኣብ ሰሜናዊ ፓሪስ ኣብ ዝርከብ፣ ፖርት ላ ሻፔል ኣብ ዝተባህለ ከባቢ፣ ኣብ ጎደናታት፣ ብቴንዳን ባኮታትን ኣብ ዘቖምዎ መዕቆቢታት ክነብሩ ዝጸንሑ’ዮም።