ድሕሪ ሰለፋ እንታይ ተረፋ

ካብ ዝገርም፡ እዛ ሃገር፡ ንብረታ ተዘሚቱን ተሃጊሩን፡ ደቃ ተገፊፎም ኣብ ግዱድ ዕስክርና ተጸሚዶም ዕድመ ልክዖም ዋጋ እንዳ ከፈሉ ይነብሩ፡ ጥሪት እዛ ሃገር ብሓይሊ ተዘሚተን ቢኢድ ዉናንኦም ይሓርዱወን የጥፍእወን፡ ስድራ-ቤት እዛ ሃገር ይእሰሩን ይበታተኑን፡ እዚ ህዝቢ’ዛ ሃገር መባእታዊ ዓቕሚ እቶቱ ወይ ቁጠብኡ ይሕደግ መረቱን ንዋቱን ይህገር፡ ጽፍሒ መነባብሮኡ መረት ዘቢጡስንክልቲ ሃገር ጌሮም ደው ዘበልዋ ሃገር’ሲ ብኸመይ እዮ መስተንክር መራሕቲ ገበርቲ ቂያ ዝበሃሉ ክንዲ ሃገር  ዘዕነዉ? ብኸመይ እዩ’ኸ በዚ ሕጂ ዘለቶ ከም ሃገር ተቆጺራስ ፡ ሃገር ተባሂላ ክትጽዋዕ?