ኤርትራ፣ ግፋን ምእሳር ወለድን ብጽዑቕ ይቕጽል ኣሎ

ኤርትራ፣ ግፋን ምእሳር ወለድን ብጽዑቕ ይቕጽል ኣሎብ መላእ ኤርትራ ኣዋርሕ ኣቑጺሩ ዘሎ ጽዑቕ ግፋ፣ ምእሳር ደቆም ከረክቡ ዘይክኣሉ ወለዲን ምዕሻግ ኣባይትን ብዝልዓለ መልክዑ ይቕጽል ኣሎ። ምንጭታት ራድዮ ብዝሓበርዎ መሰረት፣ ግፋን ማእሰርቲ  ወለዲን፣ ኣብ ከተማታትን ገጠራትን ብተመሳሳሊ’ዩ ቀጺሉ። ስምምዕ ምቑራጽ ቶዅሲን ንዘተ ሰላም ሰሜን ኢትዮጵያን፣ ነቲ ብወገን ኤርትራ ዘሎ ሻቕሎት ከህድኦን ግፋን ማእሰርቲ ወለዲ ክሃድእን፣ ህዝቢ ተጸብዩ እኳ እንተነበረ፣ ብኣንጻሩ ግና ካብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣትሒዙ ብኢሱ ምህላው ‘ዮም እቶም ምንጭታት ኣረጋጊጾም።