‘ትራጀዲ ጀነራል ተድላ ዑቝቢት’፡ ዝለዓሉን ዝተፈርሑን ኣዛዚ ፖሊስ ዝነበሩ ኤርትራዊ

 ጀነራል ተድላ ዑቝቢትኣብ ኤርትራ ብዙሕ ነጋሪ ዝሰኣነ ታሪኽ ከምዘሎ ንምግላጽ፡ “ዘይተነግረ’ምበር ዘይተገብረ ነገር የለን” ዝብል ምስላ ኣሎ። እዚ ኸኣ ኤርትራውያን ታሪኽ ክስንዱ ስለ ዘይተታባብዑ፡ ገለኦም እውን ስነዳ ታሪኽ ከም ስራሕ ፈረንጂ ገይሮም ስለዝርእይዎ፤ ኣብ ርእሲኡ'ውን ብሳንሱር ኰነ መግናሕትን መቕጻዕትን ብፍላጥ ሓቂ ንምቕባር ከምእተሰርሐ ይዛረቡ። ካብኡ ሓሊፎም እውን ኣብ ኤርትራ ታሪኽ መሳርሒ ፖለቲካ ኰይኑ ተሪፉ ዝብሉ’ውን ኣለዉ።

ከምቲ ክኾኖ ዝግባእ ስለዘይኰነ እምበር ሓሓሊፉ ዝጸሓፍ ግን ኣይተሳእነን፤ ንኣብነት ብከም ደራሲን ተመራማሪ ታሪኽን ኣለምሰገድ ተስፋይ ዝተጻሕፉ - ሰለስተ ቅጽታት ዝሓዘ ታሪኽ ምስናዱ ኣብ ታሪኽ ኤርትራ ኣገዳሲ እምነ ኵርናዕ ምዃኑ ይእምን።

እዚ “ትራጀዲ ጀነራል ተድላ ዑቝቢት፡ ዝለዓሉን ዝተፈርሑን ሓላፊ ፖሊስ ዝነበሩ ኤርትራዊ” ብዝብል ኣርእስቲ ዝዝንቶ ዘሎ ዛንታ እምበኣር፡ ካብታ ”ካብ ፈደረሽን ናብ ጐበጣን ሰውራን” ዘርእስታ ሳልሰይቲ ቅጺ መጽሓፍ ኣለምሰገድ ዝነቐለ እዩ።

እቲ እዋን፡ ኣብ ታሪኽ ኤርትራ ናይ ኣቕዋም ምግልባጥ ዝተራእየሉ ግዜ እዩ ነይሩ። ካብ ምሕደራ እንግሊዝ ጀሚሩ፡ ኤርትራ ኣብ ክርንኪሕ ውድድር ኣንድነትን ናጽነትን ኣትያ ነበረት። ሃገራውነትን ባዕላዊ-ረብሓታትን ተጋጭዮም ርእይቶ ወለድን መንእሰያትን፡ ድልየት ዝበዝሐ ህዝቢ ከበሳን መታሕትን ተፈላልዩ ነበረ።

ኣቕዋም ጀነራል ተድላ ዑቝቢት’ውን ከምኡ ... ምግልባጥ ነይሩዎ፣ ብዝቐደመ ኣቕዋሞም ከኣ ንመጻኢ ዕድል እታ ሃገር ጸልዩዎ’ዩ ክበሃል ይከኣል።

እዞም ኣዝዮም ዉሩይ ዝነበሩ ጀነራል ብ1924 ኣብ ዓዲ መንጎንቲ ተወሊዶም ብ1963 ኣብ ኣስመራ ሞይቶም።

ባህርያት ተድላ ዑቝቢት

ተድላ ዑቝቢት፡ ብርእይቶ ሓለቓኦም ዝነበረ እንግሊዛዊ ሓላፊ ፖሊስ ኤርትራ (ኮሎነል ደይቪድ ክራክነል)፡ “ንሕጊ ፖሊስ ዘኽብሩ፡ ንመርገጺኦም ኣብ ዋጋ-ዕዳጋ ዘየእትዉ ልዑል ብቕዓት ዝነበሮም ተሪር ኣዛዚ ፖሊስ ነበሩ” ክብል ይገልጾም።

ኣለምሰገድ ተስፋይ ከም ዝገልጾ፡ ኣብ ስራሕ ንተድላ ዝፈልጥዎም ሓደ ናይ ቀረባ ሰቦም (ጸሓፊኦም ዝነበሩ) ከም ዝበልዎ፡ “ተድላ ነቓጽ፡ ህልኸኛ፡ ቍጡዕ፡ ምስኡ ኸኣ ቅኑዕ ነበሩ” ይብል ዶክ. ክንፈ ተስፋጋብር። ቀጺሉ፡ “ብቝዕ ትምህርቲ’ኳ ኣይንበሮም ከይተወላወሉ ቆሪጾም ንኽውስኑ እቲ ዋሕዲ ትምህርቲ ዳርጋ ሓጊዙዎም’ዩ ክብል እኽእል። ምስኡ ኸኣ ተገራጫዊ ባህርያት ነበሮም ... ጭካነን ርህራሀን ” ይብል።

ተድላ ኣብ ስራሖም ነግፈረግ ኣይነበሮምን። ንዝተጋገየ ፖሊስ ኣብ ምቕጻዕ፡ ምጥራዝ፡ ወይ ከኣ ንገጠራት ምምዳብ ሰጋእ ዘይብሉን ከም ዝነበሩ’ውን ይንገረሎም’ዩ፤ ንሕሰያ ኣይነበሮምን።

ብተወሳኺ፡ ዶክ. ክንፈ ከም ዝበልዎ፡ ተድላ ኣብ ፍጹም ዲሲፕሊን ፖሊስ ዝኣምኑ፡ ብኵራት ዘይጻወሩ፡ ዋላ’ውን ኣካይዳን ኣከዳድናን ወተሃደር ፖሊስ ብደቂቕ ዘስተብህሉን ዝገንሑን ባህሪ ነይርዎም።

እንታይ’ዩ ነይሩ ጌጋኦም?

ተድላ ዑቝቢት ካብቲ ዝነበሮም እምነት - ኣብ ፈደረሽን ማለት’ዩ - ፈንተት ኢሎም ረሓቑ። እዚ ማለት ኣብ እምነታት ቀሺ ዲመጥሮስን ኣስፍሃ ወልደሚካኤልን ዓሰሉ። እቲ ጌጋኦም ብእኡ ኣቢሉ’ዩ ጀሚሩ ይብል እቲ እተጻሕፈ ታሪኽ።

“ኤርትራ ብሃገራት ኣዕራብ ስለ ዝተኸበት ውዒሎም ሓዲሮም እቶም ኣዕራብ ምስ ኣስላም ሃገርና ኰይኖም ሓቢሮም ክውሕጡና’ዮም ... ስለዚ ሕብረት ምስ ኢትዮጵያ ብምንታይ ይጽላእ?” ዝብል እምነት ኣሕዲሮም ክጓዓዙ ጀመሩ።

https://ichef.bbci.co.uk/news/320/cpsprodpb/21cd/live/0d4febd0-cba4-11ed-be2e-754a65c11505.jpg 320w, https://ichef.bbci.co.uk/news/480/cpsprodpb/21cd/live/0d4febd0-cba4-11ed-be2e-754a65c11505.jpg 480w, https://ichef.bbci.co.uk/news/624/cpsprodpb/21cd/live/0d4febd0-cba4-11ed-be2e-754a65c11505.jpg 624w, https://ichef.bbci.co.uk/news/800/cpsprodpb/21cd/live/0d4febd0-cba4-11ed-be2e-754a65c11505.jpg 800w" alt="ተድላ ዑቝቢት - ካብ ጸጋም ቀዳማይ። ኣብ ማዕሪኦም ረዘነ ብርሃነ፡ ስዩም ካሕሳይ፡ ዘርእማርያም ኣዛዚ - ብ1951 ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ዝተወስደ ስእሊ" width="1168" height="653" class="e3vrtyk0 bbc-rb7xa0 e1mo64ex0" style="box-sizing: inherit; border-style: none; display: block; width: 650.662px; height: auto;" />

ምንጪ ስእሊ,AT

 
መግለጺ ስእሊ,

ተድላ ዑቝቢት - ካብ ጸጋም ቀዳማይ፤ ማዕረኦም ረዘነ ብርሃነ፡ ስዩም ካሕሳይ፡ ዘርእማርያም ኣዛዚ - ብ1951 ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ዝተወስደ ስእሊ

 

ጽሑፍ ደራሲ ኣለምሰገድ ተስፋይ ከም ዝሕብሮ፡ ደጀዝማች ተድላ ባይሩ፡ መራሕ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ዝነበሩሉ እዋን፡ ቅድሚ ካብ ስራሖም ምግልጋሎም ማለት’ዩ፡ ሓደ ውሳነ ኣሕለፉ (ኣዋጅ1/1955)። እቲ ውሳነ ንጥርጡራት ክሳብ ሰለስተ ወርሒ ምእሳር ፍቝድ ከም ዝዀነ ዝድንግግ ነበረ።

ነቲ ኣዋጅ ተጠቒሞም ከኣ ተድላ ዑቝቢት ጌጋ ኣብ ልዕሊ ጌጋ ክፍጽሙ ተራእዩ። እቲ ውሳነ ኣብቶም ናይ ሽዑ ሸፋቱ ብዝያዳ ዘተኵር’ኳ እንተነበረ፡ ተድላ ዑቝቢት ነቲ ውሳነ ሽፋን ብምግር ኣብ ኵሉ መዳያት ፖለቲካ ተጠቕምሉ፤ ኣብ ልዕሊ ተቓወምቲ ኣንድነት ከይተረፈ።

ንዝዀነ ናይ ፖለቲካ ጥርጡር መእሰርን መግረፍን ንክኸውን ተጠቕምሉ። ብጩቕ ንዝበለ ኢዱ ጠዊኻ ምድጓኑን ምጭፍጫፉን ብዘበኖም ተራእየ።

ተድላ ዑቝቢት፡ ዝያዳ ካብቶም ሕሉፋት ኣንድነታውያን - ዲሞጥሮስን ኣስፋሃን - ዝሓየለ በትሪ ሒዞም ክኣስሩን ከፈራርሁን ተራእዩ ይብል ደራሲ።

ብተወሳኺ፡ ሓደ ካብቶም ንተድላ ዕቝቢት ዘዘክሮም ምኽንያት ምስ ሃጸይ ሃይለስላሰ ዝነበሮም ቅርበት ምዃኑ ይንገር።

ብድሕሪ ፈደረሽን፡ ንጉስ ሃይለስላሰ ልቢ ህዝቢ ኤርትራ ንምልስላስን ቀልቡ ንምስሕብን፡ ከምኡ’ውን ቀልቢ መራሕቲ ንምስላብን “ቸርነቶም” ከዘውትሩ ሓሓሊፉ ይርአ ነበረ።

ንኣብነት ካብ መንግስቲ ኣሜሪካ ዝተቐበልዎ ናይ ሓገዝ እኽሊ ክፋሉ (188 ሽሕ ኲንታል) ንኤርትራ ብምልኣኽ ንህዝቢ ይፈታትንዎ ነበሩ። ከምኡ’ውን ንሓለፍቲ መንግስቲ ኤርትራ ብመቝሺሽ ይሓባብልዎም ነበሩ።

ብመቝሺሽ ዘርኢ ጕዳይ፡ ኣብ ናይ ኣለምሰገድ ተስፋይ መጽሓፍ እዚ ሕጡበ ጽሑፍ’ዚ ንረክብ።

“ጃንሆይ ኣብ ምውዳእ ዑደቶም ኣብ መዓልቦ ነፈርቲ ኣስመራ ክፋነዉ እንከለዉ (ጥሪ 1959)፡ መኰንናት ፖሊስ ኤርትራ ተሰሪዖም ናይ መፋነዊ ሰላምታ እናሃቡዎም፡ ንጉስ ንኣዛዚ ፖሊስ - ተድላ ዑቝቢት - ሓንቲ ሽጉጥ ገጸ በረኸት ሃቡዎም። ኣብ ልዕሊ’ታ ሽጉጥ፡ ወርቃዊ ዘውድን፡ ል.መ.ኃ.ሥ. ዝብል ወርቃዊ ፊደላትን ተቐሪጹ ነበረ። ናይ መዋቲ ወዶም ልኡል መኰነን ሃይለስላሴ ናይ ውልቁ ሽጉጥ ዀይና ንተድላ ዕቝቢት ኣወፈይዋ።”

ቀጺሉ፡ “ነዚ ዝመስል ቅርበትን ‘ኣባታዊ ልግስን’ ኣብ ልዕሊ ተድላ ዑቝቢት ንዝፈጠሮ ውሽጣውን ተገራጫውን ስምዒታት የርእየና” ይብል ደራሲ።

ብኻልእ ኣዘራርባ፡ ነፍሶም ቀሺሾም ኣንጻር ህዝቦም ተንስኡ። ምሉእ ሓይሎም ኣብ ሕብረት ኰይኑ ማእሰርቲ ገነነ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ናታ ሰለይቲ እናምጽአት ኣብ ምክትታል ተቓወምቲ ኢዳ ከተእቱ ምስ ጀመረት ተድላ ክቃወሙ ጀመሩ። “በዚ ምኽንያት ኣብ መንጎ ፖሊስ ኤርትራን ወተሃደራት ኢትዮጵያን ወጥርታት ክርኣዩ ጀመሩ” ይብል ደራሲ። ብእኡ ዝተኣታተወ ከኣ ምትፍናን ሰፈነ።

ተድላ ነቲ ምስ ንጉስ ዝነበሮም ምትእስሳር ንጥቕሞም ኣብ ክንዲ ዘኽርርዎ ባዕሎም ከፍኵስዎ ጀመሩ፤ ህልኸኛ ስለ ዝነበሩ ድማ ድሕር ኣይብሉን ነበሩ።

በቲ ሓደ-ክልተ ናይ ኣብያ ባህሪኦምን ዉሳነኦምን ኣብ ከባቢኦም ዝነበሩ ሓለፍቲ ከስተብህልሉ ጀመሩ፣ ሕነኦም ንኽፈድዩ ድማ ኣብ ኵርምቶም ሒዞም ተጸበዩ።

ፈደረሽን ወዲቝ ብሕብረት ምስ ተተክአ፡ ኢትዮጵያውን ሰበ-ስልጣን ድሌቶም ምስ ረኸቡ ወዮ ንጀነራል ተድላ ዑቝቢት ‘ጌታየ-ጌታየ’ ዝብሉዎም ዝነበሩ ተገዳስነቶም ዛሕተለ። እንተዀነ ተድላ፡ ኣብ ትሕቲ ጠቕላሊ ፖሊስ ኢትዮጵያ ከም ዝኣተዉ ብኣጋኡ ኣይተረድኦምን።

መኰንናት ኢትዮጵያ ብብዝሒ ናብ ኤርትራ ክለኣኹ፡ ኤርትራውያን ድማ ንኢትዮጵያ ክሰሓቡ ምስ ጀመሩ ኸኣ ፍጹም ገረሞም፤ ዝገብርዎ ንዘይብሎም ክወሓጠሎም ኣይከኣለን።

ኣድላይነትን ኣገዳስነትን ተድላ ዑቝቢት ኣንቈልቈለ። ተስፋሃንስ በርሀ፡ ምክትል እንደራሴ ኰይኖም ንነዊሕ እዋን ዘገልገሉ ሓላፊ፡ ንስራሕን መዝነትን ፖሊስ ኤርትራ ከማእክሉ ምስ ጀመሩ ይብል ደራሲ፡ (ንቢትወደደ ኣስፍሃ ብምጥቃስ)፡ እቲ ጕዳይ ተወዲኡ ክነሱ ተድላ ፍጹም ተቓውሞ ከርእዩ ጀመሩ።

ተድላ ነቲ ዝተረኽበ ዓድዮት ቀልጢፎም ብምስትብሃል ዓው ኢሎም ክቃወሙ ጀመሩ። እንተ እቶም ካልኦት ግን፡ በዓል መልኣከ ሰላም ዲመጥሮስን ቢተወደድ ኣስፍሃን፡ ጸግዒ ጃንሆይ ሒዞም ሆጭ ዝበለ ጐስጓስ ዘካየዱ፡ ክዋሰኑ ቈርጢሞሞ ስቕ በሉ። ኵሎም ሕብረት-ሕብረት ዝብሉ ዝነበሩ ሓፊሮም ጸጸግዖም ዝሓዝሉ ዘመን ነበረ።

ተድላ ሕብረት ኣይተዋሕጠሎምን

https://ichef.bbci.co.uk/news/320/cpsprodpb/8777/live/0223f760-cba4-11ed-8ac9-09816666c910.jpg 320w, https://ichef.bbci.co.uk/news/480/cpsprodpb/8777/live/0223f760-cba4-11ed-8ac9-09816666c910.jpg 480w, https://ichef.bbci.co.uk/news/624/cpsprodpb/8777/live/0223f760-cba4-11ed-8ac9-09816666c910.jpg 624w, https://ichef.bbci.co.uk/news/800/cpsprodpb/8777/live/0223f760-cba4-11ed-8ac9-09816666c910.jpg 800w" alt="ተድላ ዑቕቢት" width="943" height="531" class="e3vrtyk0 bbc-rb7xa0 e1mo64ex0" style="box-sizing: inherit; border-style: none; display: block; width: 650.662px; height: auto;" />

ምንጪ ስእሊ,AT

ተድላ ምስቶም ኣብ ኤርትራ ዝነበሩ ኢትዮጵያውያን ሰበስልጣን ክጋጨዉ ጀመሩ። ዲፕሎማሲ ዘይነበሮ ፍጹም ቍጥዐን ግጭትን ከዘውትሩ ጀመሩ። ንኣብነት፡ ምስ እንደራሴ ኣብይ ኣበበ ብጕዳይ ጋንታታት ኵዕሶ ኤርትራ ኣብ ዓቢ ንትርኽ ኣተዉ።

እተን ጋንታታት ስም ኣውራጃታት ኤርትራ ሒዘን (ሓማሴን፡ ሰራየ፡ ኣከለጉዛይ፡ ሎጎጭዋ) ንደገፍተን ከናዕባ ስለ ዝጀመራ፡ ተድላ ኸኣ ተቘጢዖም ንውድድር ኵዕሶ እግሪ ደዉ ኣቢሎም ነቶም ሓለፍቲ ጋንታታት ኣስማትኩም ለውጡ ኢሎም ገደድዎም።

እቶም ሓለፍቲ ጋንታታን ከኣ ውሳነ ተድላ ስለ ዘይተዋሕጠሎም ናብ እንደራሴ ብምኻድ ጠርዑ። እንደራሴ ኸኣ ከም ቀደምኩም ቀጽሉ በሎም፤ ተድላ ኸኣ ኣይከውንን ኢሎም ኣበዩ። በዚ ምኽንያት ከኣ ዓቢ ግርጭትተፈጥረ።

ኣብ ካልእ ሸነኻት ሕብረተሰብ’ውን ከምኡ፣ ኣውራ ኣብ ፖለቲካ። ተድላ “ንሕና ህዝብና ክንጠቅም ኢልና ኣብ ዘይውደቕ ኣውዲቕናዮ ... ንሕና ባዕላትና ዘምጻእናዮ ሰበብ ባዕላትና ክንእርሞ ኣለና” ክብሉ ጀመሩ።

“ከም ቀደምና ኢና ንሰርሕ፡ ንሰራዊትኩም ንገሩ፡ ንህዝቢ’ውን ንገሩ፡ ፈደረሽን ኣይፈረሰን” ኢሎም ተድላ ንዅሎም ኣዘዝቲ ፖሊስ ተለግራም ክሳብ ኣብ ምልኣኽ’ውን በጽሑ። ኣብ ዘይዓርፍ ምስሕሓብ ከኣ ኣተዉ።

ኣይጸንሑን ን72 ዝዀነ ላዕለዎት መኳንንቲ ፖሊስ ኤርትራ - ብ 4 ሰነ 1963 - ኣብ ኣጂፕ (ማእከላይ መደበር) ጸዊዖም ብኵነታት ፖሊስን ሃገርን ኣዛረቡዎም። ንህዝቢ ከም ዘካላበቱ ኸኣ ተናዘዙ።

ኣባላት ባይቶ ንሕብረት ምስ ኢትዮጵያ ዝወሰድዎ ውሳነ ንፈደራል ስርዓት ሃገር ከም ዘፍረስዎ ተዛረቡ። ነቲ ጕዳይ ሕብረት ፖሊስ ኤርትራ ከም ዘይተቐበሎ ብምሕባር’ውን ክሰርሕሉ ከም ዝጀመሩ ሓበሩ።

“ኣነ ክብረተይ ምስ ህዝበይ’ምበር ካብ ህዝበይ ዝተፈልየ ክብረት የብለይን ... ክሳብ ዝስዕብ ትእዛዝ ዝልእከልኩም ንመኳንንትኹም ኣሰሊፍኩም ንገርዎም” ኢሎም ብቍጥዐ ተዛረቡ። ኣይጸንሑን ከኣ፡ ንቤት ጽሕፈቶም ከዱ።

ሓደ ኣብኡ ተረኺቡ ዝነበረ ሰብ - ሻምበል ሚኪኤል ዝበሃል - ንደራሲ ኣለምሰገድ ከም ዝሓበሮ፡ “ተድላ ብዉሽጦም ብጣዕሳ ምስ የዋህነት፡ ኣብ ጭንቀት ዝዓብለሎ ኵነታት ወዲቘም ከም ዝነበሩ ኣስተብሃልኩ” በለ።

ኣብ መፈጸምታኡ ዘይበጽሐ ጕዳይ

ተድላ ኣብ ቤት ጽሕፈቶም ምስ በጽሑ እንደራሴ ነቲ ጕዳይ ሰምዕዎ’ሞ ወተሃደራት ናብ ቤት ጽሕፈቱ ብምልኣኽ ነቲ ኵነታቶም ክቈጻጸርዎ ፈተኑ።

ኮሎኔል ከበደ ያዕቆብ ዝበሃል ኢትዮጵያዊ ወተሃደር ምስ ዓጀብቱ ናብ ቤት ጽሕፈት ተድላ ተላእከ። ኣብ ቤት ጽሕፈቶም ምስ ኣተወ ተድላ ሽጉጥ/ኡዚ ሒዞም ጸንሕዎ። ከበደ ያዕቆብ ሃዲሞም ብምውጻእ ምስ እንደራሴ ብስልኪ ተዘራረቡ። ዘረባኦም ምስ ወድኡ ብኡ-ንብኡ ኸኣ ዘይተነጸረ ፈኵስ ጥይት ድምጺ ከም ዝተሰምዐ መሰኻኽር ተዛረቡ።

ሽዑ ኮሎኔል ከበደ መሰኻኽር ክኾኑዎ፡ ንኮሎኔል ኣደም ዓብደላን ንኮሎኔል ዘርእማርያምን ሒዙ ተመልሰ'ሞ ኣብ ቤት ጽሕፈት ጀነራል ተድላ ዑቝቢት ከኣ ኣተዉ። ተድላ ብኣፍልቦም ወዲቘም ሽጉጥ ኣብ ኢዶም ሒዞም ብየማን መንበስበስታኦም ብጥይት ተበሲዖም ጸንሕዎም።

ጀነራል ተድላ ዑቝቢት ህይወቶም ሓለፈት - ነብሶም ይቕተሉ ወይከኣ ብሰብ ይቀተሉ ንብዙሕ ሰብ ዘዛረበ ጕዳይ’ዩ። መርማሪ ኮሚሽን ተመዚዙ ንተድላ ብክሕደት ወንጀልዎም፣ ነብሶም ባዕሎም ኣጥፊኦም ዝብል ጸብጻብ ከኣ ኣቕረቡ።

“ተድላ ዕቝቢት ካብ ኵሉ ወተሃደራዊ መዓርጐም ተቐንጢጦም ከም ተራ ሰብ ክቕበሩ ተወሰነ። ቀብሮም ከኣ ኣብ ዓዶም ኣብ ዓዲ-መንጎንቲ (ሰራየ) ተፈጸመ። መዛንኦምን መሳርሕቶምን ንኸይቀብሩ’ኳ ተኣዚዞም እንተ ነበሩ፡ ብዙሓት ነቲ ትእዛዝ ጥሒሶም ኣብ ቀብሮም ወዓሉ” ኢሉ ደራሲ ኣለምሰገድ ተስፋይ ንታሪኾም ይድምድም።

ንጀነራል ተድላ ዑቝቢት ዘርከቡሎም ሰባት በብናቶም የዕልሉ’ዮም። ገለኦም ብተድላ ዝተኣስሩን ዝተገርፉን፡ ገለኦም ከኣ በቲ ኣብ መመዳእታ ህይወቶም - ንኤርትራ ኣሕሊፎም ብምሃብ - ዝተጣዕስሉ ህሞት ይዝክሩ።

ኣብ ዘመኖም ዝተኣስረ ሰብ ምስ ቤተሰቡ ንክራኸብ፡ መግቢ፡ ኮቦርታ ይዅን ቅያር ክዳን ንኽለኣኸሉ መሰል ከም ዝነበሮም ዝምስክሩ ሰባት ኣለዉ።