ኢትዮጵያን ኤርትራን ኣብ ኵነታት ሱዳን እንታይ ግደ ክህልወን ይኽእል?

መራሕቲ ብሰንኪ ናህሪ ዋጋ መነባብሮ ዝጀመረ ምንቅስቓስ ተቓውሞ ህዝቢ ሱዳን፡ ነቲ ንኣስታት ሰለስተ ዓሰርተታት ዓመታት ንሱዳን ዝገዝእ ዝነበረ ዑመር ሓሰን ኣልበሽር፡ ኣብ 2019 ካብ ስልጣን ኣውረድዎ።ድሕሪ ለውጢ፡ እታ ሃገር ናብ ዲሞክራስያዊ ምሕደራ ክሳብ እትሰጋገር፡ ኣብ መንጐ ሲቪላውያን ፖለቲከኛታትን ወተሃደራዊ መራሕቲን ስምምዕ ምክፍፋል ስልጣን ተገይሩ።ኣብዚ መስርሕ እዚ ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ሱዳናውያን ናይ ህይወት ዋጋ ከፊሎም። እዚ ግን ንህዝቢ ሱዳን ካብቲ ልዑል ዋጋ መነባብሮ ኣየድሓኖን።

ድሒሩ ብጀነራል ዓብደልፈታሕ ኣልቡርሃን ዝምራሕ ወተሃደራዊ ሓይሊ፡ "ኲናት ሓድሕድ" ንምክልኻል ብዝብል፡ ዕልዋ መንግስቲ ብምክያድ ካብ ሲቪላዊ ቀዳማይ ሚኒስተር ዓብደላ ሓምዶክ ስልጣን መንዚዑ።

ኣልቡርሃን ሱዳን፡ ናብ ሲቪላዊ ምምሕዳር ንምስግጋር ተወፋይነት ከምዘለዎ እዩ ዝገልጽ።

ንወተሃደራዊ ሓይሊ ዘይኣምኑ ደለይቲ ዲሞክራሲ ፖለቲከኛታት ግን፡ ኣንጻር እቲ ወተሃደራዊ መንግስቲ ድምጾም ኣስሚዖም፤ ዲሞክራስያዊ ስርዓት ክትከል ብሰለፍን ተቓውሞን ክሓቱ ጸኒሖም እዮም።

እዚ ንኣዋርሕ ብዘይምቍራጽ ቀጸለ፤ ሱዳን ብኽልተ ወተሃደራዊ ጀነራላት ብመሰጋገሪ ልኡላዊ ቤት ምኽሪ ክትመሓደር ጸኒሓ።

ኣዛዚ ሰራዊት እታ ሃገር ጀነራል ዓብደልፈታሕ ኣልቡርሃን ቀንዲ ኣካል ናይቲ ልኡላዊ ባይቶ ኰይኑ፡ ኣዛዚ ፍሉይ ሓይሊ ዝዀነ ጀነራል መሓመድ ሓምዳን ዳጋሎ (ሄመቲ) ድማ ምክትል ኰይኑ ጸኒሑ።

እቲ ተቓውሞ እናቐጸለን ምስግጋር ስልጣን ናብ ሲቪላዊ ምምሕዳር እናቐረበ ምስ ከደን፡ ኣብ መንጐ እቶም ጀነራላት ዝነበረ ምትፍናን ርኡይ እናዀነ መጺኡ።

ምክትል ፕረዚደንት ሃገራዊ መሰጋገሪ ልኡላዊ ባይቶ ሱዳን ጀነራል ሓምዳን ዳጋሎ፡ እቲ ብጀነራል ቡርሃን ዝምራሕ ብወተሃደራዊ ዕልዋ ዝመጸ መንግስቲ ምንቃፍ ጀሚሩ፤ ኣብኡ ምስታፉ'ውን ከም ጌጋ ክገልጾ ተሰምዐ።

መበገሲ ናይዚ ሕጂ ዘሎ ግጭት፡ ኣብ መንጐ ክልቲኦም ጀነራላት ዘሎ ዘይምርድዳእ እዩ።

እቶም ጀነራላት ስልጣን ንሲቪላዊ ምምሕዳር ከረክቡ ቃል ብምእታው፡ ኣባላት ሓይሊ ጀነራል ዳጋሎ ናብ ሰራዊት እታ ሃገር ክጽንበሩ ክፈቕዱ ተሰማሚዖም።

ብሕሜቲ ዝምራሕ 100 ሽሕ ኣባላት ዝሓቘፈ ሓይሊ ህጹጽ ደገፍ፡ መዓስ እዩ ናብ ሰራዊት እታ ሃገር ዝጽንበር? ካብ ክልቲኦም ጀነራላት ግን ብድሕሪኡ ነቲ ዝተዋሃሃደ ሓይልታት መን ይመርሖ? ኣብ ዝብሉ ቁልፊ ጉዳያት ኣይተሰማምዑን።

እቶም ጀነራላት ፍልልያቶም ብዘተ ንምፍታሕ ንመዓልትን ሰሙናትን'ኳ እንተፈተኑ፡ ኣይከኣሉን። ኣብ ክንድኡ፡ ሰራዊቶም ኣዋፊሮም፡ ናብ ቅሉዕ ግጭት ኣምሪሖም።

ክልቲኦም ጀነራላት ኣብ ሱዳን ጥራይ ዘይኰነስ ብድሕሪኦም ዝድግፉን ዝቃወሙን ሓይልታትን ሃገራትን ከምዘለዉ ይንገር።

ካብኣተን፡ ጐረባብቲ ሃገራት፡ ኣብ ስግር ባሕሪ ዘለዋ ሃገራት ወሽመጥ ዓረብ፡ ሓያላን ሃገራት ዓለም ከይተረፋ፡ ብሓደ ወገን ወይ ብኻልእ ወገን ደው ኢለን ከምዘለዋ ይዝረብ።

ኢትዮጵያን ኤርትራን ኣበይ ኣለዋ?

ፖለቲካ ምብራቕ ኣፍሪቃ ብቐረባ ዝከታተል፣ ግብጺ ዝመደበሩ ኤርትራዊ ጋዜጠኛ ማሕሙድ ኣቡበከር ኣብ ዝተፈላለዩ መራኸቢ ብዙሃን ሰሪሑ እዩ። ፖለቲካዊ ሳይንስ ዝተማህረ ማሕሙድ፡ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ብዛዕባ ስትራተጂያዊ ፖሊሲ ኣመሪካ ዝምልከት መጽናዕቲ ዝግበረ እዩ።

ኤርትራ ምስ ሩስያ ዘለዋ ምሕዝነትን ኣብ ቀረባ እዋን ጀነራል መሓመድ ሓምዳን ዳጋሎ ናብ ኣስመራ ዝገበሮ ጕዕዞን ኣብ ግምት ብምእታው፡ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ነቲ ብሕሜቲ ዝምራሕ ሓይሊ ክድግፍ ምዃኑ ይእመን።

ንሱ ግን ኣይሰማማዕን እዩ።

ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ ተለቪዥን ኤርትራ ቀሪቡ ቃለ መሕትት ዘካየደ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፍወርቂ ብምውካስ፡ "እቲ ኣፍልጦን ደገፍን ንጀነራል ኣልቡርሃን ዝተዋህበ ይመስል። እዚ ምስቲ ብዙሓት ሰባት ዝሓስብዎ ዝጻረር እዩ" ይብል።

ነዚ ዘቕርቦ ምኽንያት ድማ እቲ ፕረዚደንት፡ እቲ ጸገም ብከም በዓል ኢጋድ ዝኣመሰሉ ዞባዊ ውድባት ክፍታሕ ከምዝኽእል ስለዝገለጸ እዩ። ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡ ንፈለማ እዋን ስም ኣሜሪካ ብሕማቕ ኣየልዐለን፡ ጥራይ ዘይኮነስ መርገጺኦም ምስ ናይ ዋሽንግተን ዝመሳሰል ከምዝዀነ ይዛረብ።

ኣብዚ ቃለ መሕትት፡ እቲ ፕረዚደንት ነቐፌታኡ ናብ ሕቡራት ሃገራትን ኣህጉራዊ ትካላትን እዩ ኣቕኒዑ፣ ይብል።

ከም ዝዝከር ኣብቲ ቃለ መሕትት፡ ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡ መንግስቲ ኤርትራ እቲ ብዘይ ዝዀነ ይዅን ሻርነት ናብ 'በሪ ኣማን' - ውሑስ ምስግጋር - ከብጽሕ ዝኽእል እቲ ሰራዊት ጥራይ እዩ ኢሉ ከም ዝኣምንን፡ ቀንዲ ርክቡ ኸኣ ምስ ጀነራል ዓብዱልፋታሕ ኣልቡርሃን ከምዝነበረ ገሊጹ እዩ።

“ከም ጐረቤት ከም መሻርኽትን ቀጥታዊ ዝምድናናን ዝዀነ እንገብሮ ምምኽኻርን ምስ ቡርሃን እዩ ጸኒሑ” ብምባል፡ ንሱዳን ናብ ውሑስ ምስግጋር ከብጽሓ ዝኽእል እቲ ሰራዊትን እዩ ዝብል ዝጸንሐ መርገጺ ኤርትራ ኣመልኪቱ ነይሩ።

ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ኣብ ዝርከብ ዩኒቨርሲቲ በርሚንግሃም መምህር ፖለቲካ፡ ፌደራሊዝምን ፖሊሲን ዶክተር ብዙነህ ይመኑ፡ ኢትዮጵያን ኤርትራን "ንሓደ ካብቶም ክልተ ጀነራላት ከም ዝደገፋ ዝሕብር ጭቡጥ ሓበሬታ የለን" ይብል።

እቶም ክሳብ ሕጂ ካብ ክልቲኦም ጀነራላት ኣየናይ ዓብላልነት ከምዘሎ ኣብ ዘይተፈልጠሉ እዋን፡ ኣብዚ እዋን’ዚ ንሓደ ነጺልካ ምድጋፍ ሓደገኛ ከምዝኸውን ከኣ የመልክት።

እንተዀነ እቲ ኲናት እንተተናዊሑ፡ ንምርግጋእ ሱዳን ብዝብል "ጐረባብቲ ሃገራት ምናልባት ንሓዲኡ ወገን ክድግፋ እየን" ይብል።

https://ichef.bbci.co.uk/news/320/cpsprodpb/d0f2/live/a9c16840-ed73-11ed-a142-ab0e42bfd9c3.jpg 320w, https://ichef.bbci.co.uk/news/480/cpsprodpb/d0f2/live/a9c16840-ed73-11ed-a142-ab0e42bfd9c3.jpg 480w, https://ichef.bbci.co.uk/news/624/cpsprodpb/d0f2/live/a9c16840-ed73-11ed-a142-ab0e42bfd9c3.jpg 624w" alt="መራሕቲ ሱዳን" width="624" height="351" class="e3vrtyk0 bbc-rb7xa0 e1mo64ex0" style="box-sizing: inherit; border-style: none; display: block; width: 645.325px; height: auto;" />

ምንጪ ስእሊ,GETTY IMAGES

ግደ ኢትዮጵያን ኤርትራንከ?

ብመሰረት ጋዜጠኛ ማሕሙድ፡ ፕረዚደንት ኢሳይያስ "ኣብ ሓንቲ ሃገር ሓደ ሓያል ሰራዊት ምህላው" እዩ ዝድግፍ።

ድሕሪ ውድቀት ኣልበሽር እታ ሃገር ብሓደ ስሩዕ ሰራዊት ጥራይ ክትግዛእ ከም ዝነበራን፡ ነቲ ሕጂ ዘሎ ህውከት ድማ ከም ጠንቂ ፍሽለት ስምምዕ ምቛም ሓባራዊ መንግስት ምዃኑ ይገልጽ።

ኣብ መንጐ ሲቪላውን ወተሃደራውን ሓይልታት ሓባራዊ መንግስቲ ዝቘመ ኰይኑ፡ ዓብደላ ሓምዶክ ቀዳማይ ሚኒስተር ኰይኑ ተመስሪቱ ምንባሩ ዝዝከር እዩ።

እዚ ኣብ ምትዕርራይ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ኣገዳሲ ግደ ከምዝተጻወተ ይዝከር።

እቲ ግጭት ምስ ተበገሰ፡ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ክልቲኦም ወገናት ክዛረቡን ነቲ ጸገም መፍትሒ ክረኽብዎን ጻውዒት ከምዘቕረበ ይዝከር።

በዚ ኣጠማምታ እዚ ግን፡ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ናብ ሓደ ወገን ናይ ምጽጋዕ ዝንባለን ርእይቶን፡ ኣንጻር ተበግሶ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ይመስል- ይብል።

ከም ኣገላልጻ ማሕሙድ፡ ዝምድና ሱዳንን ኢትዮጵያን ብፍላይ ድሕሪ’ቲ ኲናት ትግራይ፡ ተወቒዑ እዩ።

“ሓያል ዘይምትእምማን ኣሎ። ሕጂ ግደ ኢትዮጵያ ውሑድ እዩ። ብርግጽ መርገጺ ኢትዮጵያ ቀዳምነት ክወሃቦ ይግባእ ነይሩ። ዋላ'ኳ ምስ ቱርኪ ሓባራዊ ተበግሶ ከም ዘቕረቡ ዝሕብር ሓበሬታ እንተሃለወ፡ ክሳብ ክንድዚ ቦታ ዝወሃቦ ኣይኰነን" ኢሉ።

ኢትዮጵያ ኣብ መንጐ ክልቲኤን ሃገራት ዘሎ ርክብ ካብ ምርኣይ ሓሊፋ ሽግር ሱዳን ንምፍታሕ ሓገዝ ቱርኪ ኣየድልያን እዩ።

ዶክተር ብዙነህ ብወገኑ፡ ክልቲአን ጐረባብቲ ሃገራት ኣብ ክንዲ ንሓደ ውድብ ዝድግፋ፡ እንተተኻኢሉ ኣብቶም ዝዋግኡ ወገናት ክዘራረቡ ከተባብዓ ይግባእ ኢሉ።

ምስ ጐረባብቲ ሃገራትን ኣህጉራዊ መሻርኽትን ዘለዎም ዝምድና ኣብ ግምት ብምእታው፡ ኣብ ሃገራዊ ረብሓታት ብምትኳር፡ ኣብ ሱዳን እንታይ ይፍጸም ከምዘሎ እውን ክከታተላ ይግባእ።

ኣብ ርእሲ’ቲ ኣብ መንጐ ኢትዮጵያን ኤርትራን ኣብ ሱዳን ዝካየድ ዘሎ ኲናት ምትንታን፡ ግብጽን ሱዳንን ብሰንኪ ዓቢ ግድብ ህዳሰ ምስ ኢትዮጵያ ንዓመታት ክሰሓሓባ ከምዝጸንሓ የመልክት።

ኢትዮጵያን ካልኦት ጐረባብቲ ሃገራት፡ እቲ ኲናት በዚ ኵነታት ክዛዘም ስለዘይደልያ፡ እተን ሃገራት ከም ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ሕብረት ኣፍሪቃን ዝኣመሰሉ ትካላት ተጠቒመን ክልቲኦም ወገናት ናብ ልዝብ ዝምለሱሉ መንገዲ ክጸርጋ ይግባእ ይብል።

ተንታኒ ፖለቲካ ኣደም ካሴ ኣብ ቀረባ እዋን ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ኢትዮጵያ ምስ ሱዳን ዘለዋ ዝምድና ብዓይኒ ኣህጉራዊ ዝምድናታት ክትጥምቶ ኣለዋ፣ ኢሉ ነይሩ።

ኢትዮጵያ ኣብ ሰሜናዊ ክፋል እታ ሃገር ኣብ እዋን ኲናት ብሱዳን ተወሲድኒ እትብሎም ሰፋሕቲ ግዝኣታት፡ ብመንጽር ሰላምን ኣህጉራዊ ተቐባልነት ብዘለዎ መገዲን ክትዝትየሉ ይግባእ ይብል።

ግዝኣታዊ ይግበኣኒ ዝለዓለሉ ከባቢታት፡ ብሓይሊ ዳግማይ ንምሓዝ ምፍታን ተግባራዊ ከምዘይኰነ ይገልጽ።

እቲ ግጭት ንኢትዮጵያን ኤርትራን ይጸሉ ዶ?

ኣብ ሱዳን ዘሎ ግጭት ኣብ ካርቱምን ከባቢኣን ጥራይ ዝተሓጽረ ኣይኰነን። ናብ ካልኦት ከተማታት'ውን ተዘርጊሑ ኣሎ። ክሳብ ሕጂ ግን ኣብ ኢትዮጵያ ይዅን ኣብ ኤርትራ ከምዚ ዓይነት ጽልዋ ኣይፈጠረን።

እቲ ግጭት እናገደደ እንተቐጺሉ ግን፡ ነቶም ሰፊሕ ዶብ ዝዳወቡ፡ ኣብዘን ባህላውን ብሄራውን ብዙሕነት ዘለወን ሃገራት እቲ ሓደጋ ቀሊል ከይከውን ከምዝኽእል ይእመን።

ኣብ ሱዳን ዘሎ ግጭት እንተተናዊሑ፡ ኣብ ልዕሊ ክልቲአን ጐረባብቲ ሃገራት ጸቕጢ ክሕይል ምዃኑ ኵሎም ምሁራት ይሰማምዑ።

"ህዝቢ ኢትዮጵያ ሽግር ምስ ኣጋጠሞ ናብ ሱዳን እዩ ዝስደድ። ዜጋታት ሱዳን ምስ ዝሽገሩ ናብ ኢትዮጵያ ይስደዱ" ይብል ዶክተር ብዙነህ።

ምስ ኢትዮጵያ ሰፊሕ ዶብ ዘለዋ ሱዳን ንኢትዮጵያ ጸጥታዊ ስግኣት ክትከውን ከምእትኽእል’ውን የረድእ።

ንኤርትራውያንውን ሱዳን፡ ካብቲ ኣብ መፋርቕ 60ታት ኣብ እዋን ቃልሲ ንናጽነት ዝጀመረ ስደት ኣትሒዙ ከም ካልኣይቲ ሃገሮም እያ ትርአ፤ ሱዳን ካብ ኤርትራ ዝተሰደዱ ኣማኢት ኣሽሓት ኤርትራውያን ዝነብሩላ ጐረቤት ሃገር ኰይና፡ ገሊኦም ኣብኡ ነዊሕ ዓመታት ዝተቐመጡን ምስቲ ህዝቢ ተወሃሂዶምን ተዋሊዶም ክነብሩ ዝጸንሑን እዮም።

ዶክተር ብዙነህ፡ ንዶብ ሱዳንን ኢትዮጵያን ኣመልኪቱ፡ ኣብቲ ከባቢ ዝፍጸም ስደት ደቂ ሰባትን ዘይሕጋዊ ምስግጋር ኣጽዋርን ነቶም ኣብ ዶባት ዝንቀሳቐሱ ዕጡቓት ኣጽዋር ብቐሊሉ ከም ዝረኽብዎም ከም ኣብነት ይጠቕስ።

ዕጡቓት ጥራይ ዘይኮኑ ሰላማውያን ሰባት'ውን ብቐሊሉ ኣጽዋር ዝረኽብሉ ዕድል ብምፍጣር ምንጪ ግጭት ክኸውን ከምዝኽእል ይዛረብ።

ካልእ ድማ፡ ተዋጋእቲ ሱዳን ንዶብ ኢትዮጵያ ከም መጽለሊ ክጥቀሙሉ ዝኽእሉ ተኽእሎታት ኣልዒሉ፡ እቲ ኲናት እንተተናዊሑ "ነታ ናብ ሰላም እትምለስ ዘላ ኢትዮጵያ ክህውኽ ይኽእል'ዩ" ዝብል ስክፍታኦም ገሊጾም።

"እቲ ኲናት ናብ ምብራቕ ሱዳን [ጋዳሪፍ፡ ከሰላን ከባቢኣን] እንተቐሪቡ፡ ንኢትዮጵያን ኤርትራን ከቢድ ናይ ጸጥታ ጸገማት ከጋጥመን ይኽእል'ዩ። እዚ ኲናት እንተቐጺሉ ብዙሕ በሰላ ክገድፍ ይኽእል'ዩ" ይብል ጋዜጠኛ ማሕሙድ።

ኣብ ሱዳን ዝካየድ ዘሎ ኲናት ኣብ ጐረባብታ ብዙሕ ሸነኻት ዘለዎ ጽልዋ ከምዘሕድር ኣመልኪቱ፣ እቲ ኲናት ዘስዕቦ ስግኣት ናብ ሰፊሕ ምዝንባልን ስደትን ሱዳናውያን ከስዕብ ከምዝኽእል ይግምት።