ንዘልኣለም ተምበርኪኹ ዝነብር ህዝቢ የለን - Enough! ይኣክል! ! كافية

ናይ ዝተናወሓ ፖለቲካን ዝመረረ ዕጥቃዊ ቃልስን ተሞክሮ ዘለዎም ኤርትራውያን እንታይ ይገብሩ ኣለው? ተኣምራታዊ ኢድ ኣእታውነት ፈጣሪ ድዮም ዝጸበዩ ዘለው

ዕርቀ ሰላም ዝበሃል ነገር ምስ ኢትዮጵያ ካብ ዝጅምር ንነጀው ኤርትራውያን ብሕልፊ’ቶም ብጉዳይ ሃገሮም ዝግደሱ ቅሳነት ኣይረኸቡን። ሓደ ካብ’ቲ ክሻቐሉ ዝገብሮም ዘሎ ምኽኒያት ድማ፡ ኩሉ ግዜ ብሕቡእ ምስምማዕ ከም ፖለቲካዊ መርሆ ዝሓዘ ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ኣፈወርቂ፡ ብስውር ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ዶ/ር ኣብዪ ኣሕመድ ዝገበሮን ገና ዝገብሮ ዘሎ ውዑላት’ዩ። ብፍላይ ከኣ እዚ ዝበሃል ዘሎ ስምምዓት