8 መጋቢት፡ ዝሓለፈ ታሪኽ ንጽብጽበሉን ኣብ ዳስ ሓዘና ንስዕስዐሉን ዘይኮነ፡ ብሓላፍነታዊ ስምዒት ሓቢርና ንዝትየሉ መድረኽ ክኸውን ኣለዎ

ዓለም ለኻዊ ታሪኻዊ በዓል ደቂ-ኣንስትዮ 8 መጋቢት ንምኽባር ኣብ ዝበዝሓ ሃገራት ዓለምና ምድላዋት ይግበር ከም ዘሎ ይፍለጥ። ኣብ ምድላውን ኣከባብራን ናይ ትሕዝቶ ዘይኮነ ናይ መልክዕ ፍልልይ ከም ዝረአ ድማ፡ ካብ ናይዝሓለፉ ዓመታት ተመክሮ ክንግንዘብ ንኽእል። ስለምንታይ’ሲ እቲ ኣብ ልዕሊ ደቂ-ኣንስትዮ ዝበጽሕ በደላት ብደረጃ ኣብ ህዝብታት እተን ሃገራት ተበጺሑ ዘሎ ስነ-ኣእምሮኣውን ቁጠባውን