መደበራት ፖሊስ ኤርትራ፣ ስእነት ቀለብ እሱራት የሻቕለን ከምዘሎ ተሓቢሩ

ኣብ ኤርትራ፣ ሃገራዊ ባጀት 2019፣ ንመካየዲ ስራሕ ትካላት መንግስቲ ብዘይምስልዑ፣ መደበራት ፖሊስ ኤርትራ፣ ቀለብ እሱራት ብምስኣነን ኣብ ከቢድ ሽግር ከምዘለዋ ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ሓቢሮም እዚ ንሓያሎ ትካላት መንግስቲ'ውን ከየተረፈ፣ ዋሕዲ መሳርሒታት ናይ ቤት ጽሕፈት ኣኸቲሉ ዘሎ ጉዳይ፣ ብዝያዳ ኣብተን ብፖሊስ ኤርትራ ዝመሓደራ ኣብያተ ማኣሰርቲ ገኒኑ ይርአ። ብዘይካተን ኣብ ትሕቲ ኮሚሽን ፖሊስ ኤርትራ ዝርከባ ኣብያተ ማእሰርቲ፣ ብቤጽ ጽሕፈት ፕረዚደንት፣ ሃገራዊ ድሕነትን ጸጥታን ብኣውርኡ ድማ ብክፍላተ ሰራዊትን በራጊድን ዝመሓደራ ልዕሊ 300 ኣብያተ ማእሰርቲ ኣለዋ።