ሓያሎ ኣመሪካውያን እሱራት እንተላይ 4 ኣባላት ኤምባሲ ኣመሪካ ኣብ ኤርትራን ካልኦትን ክፍትሑ'ዮም ዝብል ተስፋ ኣለኒ" ኣባል ባይቶ ካረን ባስ

ዋሽንግተን — ብኣባል ባይቶ ኣሜሪካ ካረን ባስ ዝተመርሐን ሓደስቲ ኣባላት ባይቶ ኣሜሪካ ኤርትራዊ ኣሜሪካዊ ዮሴፍ ንጉሰን ሶማልያዊት ኣሜሪካዊት ኢልሃን ዑመርን ዝርከብዎ ልኡኽ ባይቶ ኣሜሪካ ንፈለማ ግዜ ድሕሪ 14 ዓመታት ኣብ ኤርትራ ምብጽሑ: ምስታ ንነዊሕ ተነጺላ ዝጸንሐት ሃገር ጥቡቕ ርክብ ንምግባር ምዃኑ ተገሊጹ።