ብሓገዝ መንግስቲ ነርወይ ዝተሃንጸ ኮሌጅ መሰልጠኒ ሓይሊ ባሕሪ ተዓጽዩ

Naval ኣብ ከተማ ባጽዕ ዝርከብ፣ ብሓገዝ መንግስቲ ነርወይ ዝተሃንጸ ኮሌጅ መሰልጠኒ ሓይሊ ባሕሪ ተዓጽዩ። እቲ ኣብ ኣካዳሚን ካልእ ዝተፈላለየ ስልጠናታትን ክህብ ዝጸንሐ ኮሌጅ፣ ዝተዓጽወሉ ምኽንያት እኳ እንተዘይተፈልጠ፣ ተማሃሮ ግና ነናብ ገዝኦም ከምዝተፋነዉ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ። እቲ ኮሌጅ መዓስ ክኽፈት ምዃኑ ዝተፈልጠ ነገር የለን።