ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝርከቡ ኤርትራውያን፣ ኣብ ህሉው ኩነታት ሃገሮም ይዝትዩ

Eritreans in stockholm

ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ዓለም ዝርከቡ ኤርትራውያን ንህሉው ኩነታት ሃገር ብዝምልከት ተኸታተልቲ ኣኼባታት የካዪዱ ከምዘለዉ፣ ከካብ ቦትኡ ዝበጽሓና ሓበሬታ ኣመልኪቱ። በዚ መሰረት ኣብ ከተማ ስቶክሆልም ብርክት ዝበሉ ኤርትራውያን ኣብ ዝተረኽቡሉ ኣኼባ፣ ኣብ ሃገሮም ሓድሽ ፖለቲካዊ ምሕደራ ክመእን ፕረዚደንት ኢሰያስ ኣፍወርቂ ስልጣኑ ከረክብን፣ ከምኡ’ውን ኣብ ስደት ዝርከቡ ኤርትራውያን ንኩሉ ዘርብሕን ዝሓቁፍን ማሕበረሰብ ክምስረት ጸዊዖም።ኣብቲ ብሰምበት 03 መጋቢት ዝተኻየደ ኣኼባ፣ ብትንሳኤ ኤርትራ ዝበሃል ሓድሽ ጽላል ኤርትራውያን ኣብ ሽወደን ንምምስራት ዝቃለስ ምትእኽኻብ ኮይኑ፣ ካብ ዝተፈላለያ ከተማታት ሽወደን ዝተኣኻኸቡ ኤርትራውያን ተረኺቦም።