ኣህጉራዊ መዓልቲ ደቀንስትዮ 8 መጋቢት ኣብ መላእ ዓለም ተዘኪራ

ሸሞንተ መጋቢት ኣህጉራዊ መዓልቲ ደቀንስትዮ ኣብ መላእ ዓለም ተዘኪራ ውዒላ። ኣብ ወጻኢ ዝርከቡ ኤርትራውያን እውን ነዛ ዕለት ብዝተፈላለየ መልክዕ ዘኪሮማ ከምዝወዓሉ ከካብ ቦትኡ ዝበጽሓና ሓበሬታ ኣመልኪቱ። ኣብዚ ዜጋታት ኤርትራ ኣብ ክልተ ደምበታት ተኸፋፊሉም ዝርከቡሉ ዘለዉ እዋን፣ ደለይቲ ለውጢ ኤርትራውያን፣ ካብተን ኣብ ንዓመታት ኣብ መሓዩር ዝርከባ ደቀንስትዮ ጀሚሮም ክሳብ’ተን ኣብ ሃገራዊ ኣገልግሎት ዝርከባ ዜጋታት ዘሕልፎኦ ዘለዋ መከራ ተንቲኖም።