ፈረንሳ፣ ኣብ ምቛም ሓይሊ ባሕሪ ኢትዮጵያ ክትሕግዝ ምዃና ኣፍሊጣ

ፈረንሳ፣ ኣብ ምቛም ሓይሊ ባሕሪ ኢትዮጵያ ክትተሓጋገዝ ምዃና ኣብታ ሃገር ወግዓዊ ናይ ስራሕ ምብጻሕ ዘካየደ ፕረዚደንት ኢማኑኤል ማክሮን ኣፍሊጡ። ንሱ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድ ድሕሪ ዝገበሮ ስምምዓት ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ፣ ኣብ ምክልኻል ዘተኮረ ስምምዕ፣ ብቀንዱ ፈረንሳ ንኢትዮጵያ ኣብ ምቛም ሓይሊ ክትተሓጋገዛ ዕድል ዝህብ'ዩ ክብል ኣስሚርሉ። እቲ ስምምዕ፣ ክልቲኤን ሃገራት ሓባራዊ ልምምድ ከካይዳ ዝፈቕድ ጥራይ ዘይኮነ፣ ኢትዮጵያ ካብ ፈረንሳ ወትሃደራዊ ንዋትን መሳለጥያ ሓይሊ ባሕርን ክትሽምት'ውን ከኽእላ'ዩ።