ሓይሊ ባሕሪ ኢትዮጵያ ኣብ ባጽዕ ከምዝምስረት ፕረዚደንት ጅቡቲ ገሊጹ

ኢትዮጵያ ብሓገዝ ፈረንሳ ከተቖሞ መዲባ ዘላ ሓይሊ ባሕሪ; መደበሩ ኣብ ባጽዕ ከምዝኸውን ፕረዚደንት ጅቡቲ እስማዒል ዑመር ገለ ገሊጹ።ፕረዚደንት ጅቡቲ ነዚ ዝገለጸ፣ ምስ ሓንቲ ካብ ህቡባት መጽሔታት ፈረንሳ ዝኾነት፣ ዠን ኣፍሪክ፣ ቁጽሪ 3039፣ ካብ 7 ክሳብ 13 ሚያዝያ 2019፣ ኣብ ዘሎ ሰሙናዊ ሕታማ፣ ኣብ ገጽ 26 ሰፊሩ ኣብ ዘሎ ሰፊሕ ቃለ መጠይቕ'ዩ።እቲ ፕርዚደንት፣ "ፈረንሳ፣ ንኢትዮጵያ ሓይሊ ባሕሪ ከተቑመላ ምዃና ድሕሪ'ቲ ናይ ፕረዚደንት ኢማኑኤል ማክሮን ዑደት ተገሊጹ'ዩ። እንተኾነ ኢትዮጵያ ኣፍደገ ባሕሪ የብላን። ኣብ ጅቡቲ ድያ ከተቑሞ? ንዝብል፣ ዝቀረበሉ ሕቶ ኣብ ዝሃቦ ምላሽ፣ "ኣይፋላን። ኣብ ባጽዕ፣ ኤርትራ'ያ ከተቖሞ። ሓይሊ ባሕሪ ኢትዮጵያ፣ ኣብ ግዜ ንጉስ ሃይለስላሴ፣ ዝቖሞሉ ቦታ'ዩ። ንኢትዮጵያ፣ ሃገራዊ ክብራ'ዩ። ግና ምቛም ሓይሊ ባሕሪ ኣዝዩ ክቡር'ዩ። ካብ ምቛም ሓይሊ ኣየር ይኸብር።" ኢሉ።