"ምስ ኤርትራ ዝተጀመረ ርክብ ሰላም፣ ምሉእ ኣይኮነን፣" ዶ/ር ደብረጽዮን

ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝጀመርኦ ርክብ ሰላም፣ እወታዊ እኳ እንተኾነ፣ ግና ምሉእ ኣይኮነን ክብል ምክትል ፕረዚደንት ክልል ትግራይ ዶ/ር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል ገሊጹ። ንሱ ምስ መደበር ሬድዮን ቴሌቪዥንን ደቡብ ኣብ ዘካየዶ ቃለ መጠይቕ፣ ርክብ ሰላም ኤርትራን ኢትዮጵያን፣ ካብ ዝፍልም ሻውዓይ ወርሒ ቀሪቡ እኳ እንተሎ፣ ከምቲ ዝተጀመሮ ይቕጽል ከምዘየሎ ሓቢሩ።ተኺፍቶም ዝነበሩ ዶባት ኣብ ውሽጢ ሓደ ወርሒ ምዕጻዎም፣ ሓደ ሕማቕ ምልክት ናይቲ ተጀሚሩ ዝነበረ ርክብ ሰላም ምዃኑ'ውን ጠቒሱ።ብዙሕ ጉዳያት ተንጠልጢሉ ክሳብ ዘሎ፣ ርክብ ሰላም ኤርትራን ኢትዮጵያን ምሉእን ውሑስን ክኸውን ከምዘይክእል ድማ ደምዲሙ።