"ፕረዚደንት ጂቡቲ ካብ መዓስ'ዩ ኣፈኛ መንግስቲ ኤርትራ ኮይኑ?” ሚኒስተር ዜና ኤርትራ

"ፕረዚደንት ጅቡቲ ካብ መዓስ'ዩ ኣፈኛ መንግስቲ ኤርትራ ኮይኑ?” ክብል ሚኒስተር ዜና ኤርትራ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፣ብመንገዲ ትዊተር መልእኽቲ ኣመሓላሊፉ።እቲ ሚኒስተር ነዚ መልእኽቲ ብሰሉስ 9 ሚያዝያ ዘመሓላለፈ፣ ፕረዚደንት ጂቡቲ ምስ ናይዚ ሰሙን'ዚ ሕታም መጽሔት ዠን ኣፍሪክ ኣብ ዘካየዶ ቃል መጠይቕ፣ "ሓይሊ ባሕሪ ኢትዮጵያ ኣብ ባጽዕ'ዩ ክድኮን "ምባሉ ብሬድዮ ኤረና ድሕሪ ምቅልሑ'ዩ።ሚኒስተር የማነ ኣብ ናይ ትዊተር መልእኽቱ፣ "እቲ ቃለ መጠይቕ ኣይርኣኽዎን። ግን ካብ መዓስ'ዩ ፕረዚደንት ጂቡቲ ኣፈኛ መንግስቲ ኤርትራ ኮይኑ?” ድሕሪ ምባል፣ "ብዝኾነ እቲ ዝተባህለ ሓሶት'ዩ" ክብል ደምዲሙ።