መህረሚ በትሪ ሒዝካ፡ እንታይ’ሞ ክንገብር ማለት መልሲ ኣይኮነን።


ቅዱሳን መጻሕፍቲ ዝዕጥቆም መራሕቲ ሃይማኖት፡ ጸረ-ህዝቢ ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ውሽጣዊ ጉዳዮም ኢዱ ብምእታው፡መራሕቲ ከደይብን ከውርድ እንከሎ፣ ቅዱሳን መጻሕፍቲ ከቃጽል እንከሎ፣ ብኣስገዳድ ወተሃደራዊ ታዕሊም ክወስዱንካላሽን ክስከሙን ክገብር እንከሎ፣ ንድኻታት ዘገልግል ዝነበረ ንብረቶምን ማሕበራዊ ትካላቶምን ክራስን ክዓጹንእንከሎ፡ ኣይኮውንን ዘይትብሉ እምቢ ዘይትብሉ ንዝብል ናይ ግዱሳት ምኽሪ፡ ብጓሂ ሓሪሮም እንታይ’ሞ ክንገብርዝብል መልሲ እንተሃቡ፡ ዋላ ክግብርዎ ዝኽእሉ ነገራት ከም ዘሎ እንተሃለወ፡ ግን ሰማዒ ክቕበሎ ዝኽእል ምኽኒያት’ዩ።ቅዱሳን መጻሕቲ ዝዕጥቆም መራሕቲ ሃይማኖት ምስ ካላሽንን ታንክን ዝተዓጥቀ ጸረ-ህዝቢ መንግስታዊ ጉጅለ ክገጥሙኣይክእሉን ዓቕሞም ኣይኮነን ብዝብል ክውሰድ ይከኣል’ዩ።

ፍልጠት ክምግቡ ኣብ ምምሃር ምስትምሃር ዝተዋፈሩ ብርዕን ወረቐትን ዝዕጥቆም መማህራን ( ወለዲ ፍልጠት)
ብስማዊ ክፍሊት ኣገልግሉ እንክበሃ፣ ካብ ዝተዋፈርሉ ክቡር ሞያ ወጺኦም ወተሃደራት ክኾኑ ኣብ ዝግደድሉ፣ ሞያውን
ሰብኣውን ክብሪ ተነፊግዎም እንክዋረዱ፣ ኣብ ትሕቲኦም ዝነበሩ ተመሃሮ ካብ መኣዲ ትምህርቲ ብወተሃደራት
እናተጋፍዑ ኣብ መካይን ተጻዒኖም ናብ ወተሃደራዊ ተዕሊም እንክውሰዱ፣ ተመሃሮ ብዘይእመን ምኽኒያት ኣደዳ
ተደራራቢ ዘይፍትሓዊ ክፍሊት ኮይኖም፡ ብስእነት ዓቕሚ ካብ መኣዲ ትምህርቲ ክጎናደቡ እንከለው፣ ብስመ 11 ክፍሊ
ወዲኡ/ወዲኣ ክንክን ወለድን መቕርብን ዘድልዮም ትሕቲ ዕድመ ናብ ሳዋ ክጓረቱ እንከለው፡-
እቲ ብኣወንታዊ ስነ-ምግባርን ስነ-ፍልጠትን ክሃንጽዎ ዝተበግስሉ ዜጋ፡ ሓደ ወለዶ ምሉእ ኣተሓሳስባኡ ንምዝራግን
መሳርዕ ኣወንታዊ ህዝባዊ ክብርታት ንምስብባርን ኣብ ዝተደኮነት ወተሃደራዊ መዓስከር ሳዋ ኣትዩ፡ ብመደብ ዝንስነስ
ዘሎ ድሑር ፖለቲካዊ መርዚ ክሰቲ ይግበር ኣሎ። ህዝቢ ከም ህዝቢ ይበታተን ይበርስ ኣሎ። ንሳኩትም ከም መማህራን
ገለ ዘይትግብሩ፡ ናይ ፍታሕ ኣንፈት ዘይተርእዩ ዝብል ሕቶን ምኽርን ካብ ግዱሳት ቀሪብሎም፡ ኩሉ ይርደኣናዩ
ንፈልጦ ኢና። ልዕሊ ካልእ ንሕና ሓሲሙና ተዋሪድና ኣለና። ግን ኣብ ርእሲና ዘሎ ፍልጠት ብርዕን ወረቐትን ‘ምበር፡
ነቲ ዓማጺ ብዓመጽ ክንገጥም ዘይኽእለና ስጡም ውደባን ዕጥቃን የብልናን። እንታይ’ሞ ክንግበር ዝብል መልሲ
እንተሃቡ፡ ዘዕግብ ኣይኮነን ግን ከም ምኽንያት ክውሰድ ይከኣል።
ኣብ ትካላት ጥዕና ዝተዋፈሩ ሓካይም፡ ዜጋታት ብቐሊል ክእለን ክፍወስን ብዝኽእል ሕማማት፡ ሰኣን ግቡእ ሕክምንና
መድሓኒት ይሳቐዩ ይሞቱ ኣለው፡ ብኣብነት ዝጥቀስ ኤርትራውያን ንሕበነሉ ዝነበርና ሞያዊ ብቕዓት ኤርትራውያን
ዶኳትርን ቴክኒሻናትን ቀስብቐስ ይሃስስ ነበረ ይኸውን ኣሎ፡ ዓቕሚ ዘይብሎም ኣብ ገዛ ተዓጽዮም ተሳቕዮም ይሞቱ
ኣለው፡ ደገፍ ዘለዎም ናብ ጎረባብቲ ሃገራት ሱዳንን ኢትዮጵያን ከይዶም ይፍወሱ ከም ዘለው ትፈልጥዎ ኢኹም ዝብል
እምነት ኣለና።
ስለዚ ትካልኩም ከም ትካል፡ ንሳትኩም ድማ ከም ሞያተኛታት ገለ ፍታሕ ዘይትግበሩ፡ ዝኣተኽሞ ቃል ዘይተኽብሩ
ዝብል ሕቶን ምኽርን ቀሪብሎም፡ ኣካል ኣምሳል ህዝብና ስለ ዝኾና ህዝብና ኣብ መዳይ ጥዕና ዘጋጥሞ ዘሎ ጸገም
ብተግባር ንፈልጦ ኢና። ክንብሎን ክንገብሮን ዝግበኣና’ውን ይርደኣናዩ። ግን ከም ሃገር ወሪዱና ዘሎ ሓደጋ ከቢድ’ዩ።
ተዛሪብካ ተስመዖ መንግስቲ ኣብ’ዛ ሃገር የለን። ትካልና ድኹም’ዩ። ውሽጣዊ ውዳቤና ልሕሉሕ’ዩ ስለዚ እንታይ
ንግበር ክብሉ ንዝህብዎ መልሲ ምስ ትዕዝብትኻ ትቕበሎ ምኽንያት’ዩ።
ኮታ፡ ካብ ዓመት ናብ ዓመት ኣብ ክንዲ ዝመሓየሽ መሊሱ ዘንቆልቁል ዘሎ ማሕበራዊ ህይወት ሓረስቶት፡ ምብራስ
እንስሳ ዘቤት፡ ምህጓጉ ኣገራብን ምጥፋእ እንስሳ ዘገዳምን ዝምልከት ናብ ዝምልከቶ ሚኒስትሪ ሕርሻን ኣብ ዝተፈላለየ
ጽፍሒ ሓላፍነታት ንዝተዋፈሩ ሰራሐተኛታቱን፣ ኣብ ዓበይቲ ከተማታት ከይተረፈ ኣጋጢሙ ዘሎ ሕጽረት ጽሬቱ
ዝተሓለወ ዝስተ ማይን ዝምልከት ናብ’ቲ ጉዳይ ዝምልከቶ ኣካል ሚኒስትሪ ማይን ከባብን፣ ከም ሃገር ንግድን ወፍርን
ዝተዳኸመሉ ዘይኮነ ዝተቐትለሉ፡ ሸቃሎን ዘሕልፍዎ ዘለዎ ውሕስነት ዘይብሉ ሕምስማሶ ዝኾነ ማሕበራዊ ህይወት፣
ኣብ ደቂ-ኣንስትዮን ህጻናት ዝፍጸም ዘሎ ቅሉዕ ግህሰት …ወዘተ መምስ ይምልከቶም ትብሎም ወገናት ተራኺብካ
እንታይ ጉድኩም፡ ገለ ፍታሕ ዘይትገብሩ ምስ እትብሎም ሓቅኻ/ሓቅኺ ግን፡ ንሕና ኣይኮነን ብመሰረት ሞያናን
ድሌትናን ክንፍጽም ሓሳብና ክንገልጽ’ውን መሰል የብልናን።

2
እቲ መንግስቲ ዝበሃል ዕጡቓት ገይሩ’ዩ ዝህድደና ዘሎ። ክሳብ’ውን ፊን እንተቢልዎም ከም’ዚ እንተዝኸውን ኢሎም
ዝሓሸ ሓሳብ ንዘቕርቡ ሰባት፡ ክጨውዩ፡ ክኣስሩ፡ ብዘይ ዝኾነ ዘእምን ምኽንያት ክቐትሉ ኢና ንዕዘብ ዘለና። ስለዚ ክሳብ
ብገለ ፍታሕ ዝመጽእ ምስ ህዝብና ካብ ምቕንዛው ሓሊፍና’ሞ እንታይ ንግበር ክብሉኻ እንከለው፡ ከም ዜጋታት
ብምስጢር ተወዲቦም ክገብሩ ዘኽእሎም ዓቕሚ ከም ዘለዎም፡ ከምኡ ዘምግባሮም ከኣ ድኽመቶም ምዃኑ ከይዘንጋዕካ፡
ብሻምብቆ ብረት ጥራሕ ንዝረዳዳእ ፈራሕ ጨካን መንግስታዊ ጉጅለ ብጥራሕ ኢዶም ተዛሪቦም ከስምዕዎ ኣይኽእሉ፡
ምኽንያቶም ብገለ ሸነኹ ሓቅነት ኣለዎ ኢልካ ክትወስዶ ትኽእል ነጥቢ ኣለዎ።
ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቑጸር ዝተፈላለየ ኣጽዋር ዝተዓጥቀ ብሓይልታት ምክልኻል ዝጽዋዕ ዝተወደበ ገዚፍ ትካል፡
ንልዕሊ ርብዒ ዘመን ንገዛእ ርእሱ ብዘይ ትርጉም ዘለዎ ወርሓዊ ክፍሊትን ማሕበራዊ ውሕስነትን ከገልግል ዝተፈርደሉ
ምኽንያት፡ “ዝዓበየ ዓሳ ንንእሽቶ ዓሳ” ዓይነት፡ ቀዲሙ ብረት ዝተዓጥቀ ንዝደሓረ ካብ መንበሪ ኣባይቲ፡ ናይ ሽቕለት
ቦታ፡ ሃይማኖታዊ ትካላት፡ ኣብያተ ትምህርቲ፡ ናይ ሓጎስን ሓዘንን ዳሳት፡ ካብ ጎደናን ዕዳጋን ኣጸናጺኑ ገፊፉ ብኣስገዳድ
ዘዕጥቐሉ፡ ስለምንታይ ከይበለ ካብ ላዕለዎት ሓላፍቲ ዝወረደሉ ቀጢን ትእዛዝ ኣብ ልዕሊ ዝኾነ ኣበር ዘይብሎም ንጹሃት
ዜጋታት ግፍዒ ዝፍጽመሉ፡ ንብረት ዝዘርፈሉ፡ ናይ ንግድን መንበርን ኣባይቲ ዘፍረሰሉ፡ ኣብ ዘይፈልጦን ዘይፍትሓውን
ኲናት ኣትዩ ከንቱ ሞት ዝሞተሉ፡-
ደቁን ወለዱን ቀረባ ስራ ቤቱን ብጥሜት፡ ዕርቃንን ሕማምን እናተሳቐዩ፡ “ኣብ ኤርትራ ምንባር ዝጽበየካ ዕቤት ዘይኮነ
ሞት’ዩ። ኣብ ስደት ግን ሞት ወይ ሕየት ኣሎ” ኢሉ ብዓጋም ጠሓስ ናብ ስደት ኣብ ዝውሕዘሉ፡ ግዳይ ዘስካሕክሕ
ሳዕቤናት ስደት ድማ ኣብ ዝኾነሉን ዘሎ ወቕቲ፡ ባርያ ላዕለዎት ሓለፍቲ ኮይኑ ሕርሻኦም ክሓርስ ክጻሂ ክዓጽድ፡
ጥሪቶም ክጓሲ፣ ኣባይቶም ክሃንጽ ናይ ነውሪ ንውሪ’ዩ። ስለምንታይ ከምኡ ትገብሩ እዚ’ኮ ናይ ሓደ ሃገራዊ ሰራዊት
ተልእኾ ኣይኮነን። ውትህድርና ክቡር ሞያ’ዩ። ኣብ’ዚ ዓውዲ’ዚ ዝዋፈሩ ዜጋታት ድማ ንስራሖም ዝምጥን ግቡእ
ክፍሊትን ክብርን ክወሃቦም፡ ንህዝቦም ድማ ብትሕትና ከኽብሩን’ዩ ክዴታኦም ‘ምበር ባራዩ ናይ ልዕሊኦም ዘለው
ሓላፍቲ ክኾኑ ኣይኮነን። ናትኩም ግን መግለጺ የብሉን ምስ እትብሎም እንታይ’ሞ ክንገብር ዝብል ዝገርም መልሲ
ይቡኻ።
ካብ’ዚ ዘለኹሞ ባርነታዊ ህይወት ሓራ ክትወጽኡ፡ ዝተበላሸወ ታሪኽኩም ከተጸብቑ፡ ብህዝብኹም ክትምስገኑ ኣብ
ልዕሊ’ቲ መሪሕነታዊ ጉጅለን ጸረ-ህዝቢ ትካላትን ገለ ዘይትገብሩ ምስ እትብሎም፡ ፈሊጦም ድዮም ከይፈለጡ፡ ልክዕ
ከም’ቶም ቅዱሳን መጻሕፍቲ ዝዕጥቆም መራሕቲ ሃይማኖት፣ ብርዕን ወረቀትን ዝዕጥቆም መማህራንን ካልኦት ስቪል
ኣብያተ ጽሕፈታትን ምስ ምሉእ ዕጥቆም ምስ ትካላዊ ውዳቤኦም እናሃለው ከይተሰከፉ እንታይ’ሞ ክንገብር ክብሉ
ይምልሱልካ።
ዋእ ንሳትኩም‘ኮ፡ ስምኩም ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ’ዩ ዝብል። ትርጉሙ ተረዲእኩሞ’ዶ ኣለኹም? ሓይልታት
ምክልኻል ከም ትካል ብመሰረት ህዝባዊ ሃገራዊ ቅዋም ዝእዝዞ ብሕጊ ዝተጣየሰ፡ ፖለቲካዊ ንቕሓቱ ዝበሰለን ህዝባውን
እንተደኣ ኮይኑ፡ ካብ ሕጊ ወጻኢ ከይሰርሕን ህዝቢ ከይብድልን’ዩ ዝፈርሕን ክጥንቀቕ ዘለዎን’ምበር፡ ካብ ውልቀ ሰብን
ዘይሕጋዊ ጉጅለን’ኮ ክፈርሕ ኣይግባእን። ተጽዕኖ ናይ ምፍጣር ምሉእ ዓቕሚ ስለዘለዎ ብኽብሪ ክተሓዝ ‘ምበር፡
ንልዕሊኡ ዘለው ፈሪሑ ርእሱ ደፊኡ እንታይ’ሞ ክገብር ክብል የብሉን። ንቅኑዕ ፖሊስን ኣሰራርሓን ቅኑዕ፡ ንዘይ ቅኑዕ
ፖሊስን ኣሰራርሓን ከኣ ብወግዒ ኣይቅኑዕን ኣይቅበሎን ኣይትግብሮን’ዩ ክብል ዘለዎ። ናታትኩም ተግባርን ግን
ብኣንጻሩ’ዩ።
ብርግጽ ኣብ ዝኾነ ዓውዲ፡ ሓደ ሰብ ነብሱ ምስ ከኣለ’ዩ ንኻልእ ዝኸውን። ንገዛእ ርእሱ ካብ ፖለቲካዊ ዓፈና ሓራ
ዘይወጽአ ሰራዊት ድምጺ ህዝቢ ይሰማዕ መሰልን ረብሓን ህዝቢ ይከበር ኢሉ ክጣበቕ ኣይክእልን። ብኣፍኩም ሓልዮት
ህዝብን ተልእኾ ምኽባር ልኡላውነት ሃገርን ከም ዘለኩም ኢኹም ትዛረቡ። ብተግባር ግን ኣይኮነን መሰል ህዝቢ
ከተኽብሩን ልኡላውነት ሃገር ክትሕልውን ንገዛእ ርእስኹም’ውን ነጻ ኣይወጻእኩምን። ኣብ ዓለም ተራእዩ ዘይፈልጥ
ምስ ምሉእ ወተሃደራዊ ዕጥቅኹም ኣገልገልቲ ናይ ውልቀ ሰብን ጉጅለን ኢኹም ኮይንኩም ዘለኹም።
እቲ ስማዊ መንግስቲ’ውን ከም ኣገልገልቱ ‘ምበር ከም ሰብኣውን ሞያውን ክብሪ ዘለኩምን ዝግበኣኩምን ዜጋታት ከም
ዝፈልጠኩም ዘእምን መረዳእታ የለን። ዝሰሓወ መሳርዑ ገፊፉ እናመለአ ኣብ ቃሕ ዝበሎ ግዜን ኩነታት ብነጻ
ብጉልበት ከስረሓኩም፡ ኣብ ዘይትፈልጥዎ ኲናት ኣእትዩ ጉዳይ መቑሰልትን ሞትን ክገብረኩም፡ ኣንጻር ገዛእ

3
ነብስኹምን ህዝብኹን ኣብ ዝኾነ ጸረ-ህዝቢ መደባት ከዋፍረኩም፡ ደስ ኣብ ዝበሎ ከኣ ብዘይ ዝኾነ ናይ ጥሮታን ካሕሳን
ከባርረኩም ኢና ንዕዘብ ዘለና።
ብወገንኩም’ውን መንግስትና ትብሉ ‘ምበር፡ ነቲ መንግስትና ትብልዎ ብሕግን ብተግባርን ትፈልጥዎ ኣይትመስሉን።
ምኽንያቱ ብኸመይ መንግስትኹም ኮይኑ ሕጋውን ፖለቲካውን መረዳእታ ኣይተቕርቡን። ሓደ ኣባል ሃገራዊ
ሰራዊት’የ ሰብ ካብ’ቲ መንግስተይ ዝብሎ፡ ብሕጋዊ ትካላዊ ኣገባብ ንኣገልግሎቱ ዝምጥን ግቡእ ክፍሊትን ክብርን
ዘይህቦ እንተኾይኑ ናቱ ኣይኮነን። ስለዚ ከኣ እቲ ስማዊ መንግስቲ ናተይ ኢኻ ክብሎ እንከሎ ንሸፈጥ’ዩ። ከም’ዚ
ናትኩም ዓይነት መንግስትና ዝብል እምነት እንተለዎ ከኣ፡ ናይ ባርያን ጊላን ዝምድና’ዩ ዝኸውን።
እዚ ከም’ዚ ዓይነት ብፍላይ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ዓው ኢልካ ትዛረበሉ ኣይኮነን። ከባቢ ካብ ዕሱባት ሰለይቲ ነጻ ምዃኑ
ኣረጋጊጽካ፡ ብዕርክነት ብቤተሰብ ተቐራሪብካ ትበሃሃለሉ፡፡ ስለዚ ንሓደ ኣባል ሃገራዊ ሰራዊት’የ ዝብል ሰብ፡ ወይ
ብናታትኩም ኣጸዋዋዓ ኣባል ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ፡ ነቲ መንግስትኻየ ዝብሎ፡ ንሱ ድማ መንግስተይ ዝብሎ፡
ናቱ ምዃኑ ብሕጋዊ፡ ፖለቲካውን ግብራውን መዳያቱ መግለጺ ክህበሉ ክኽእል ኣለዎ። ዝፈርሖን ሰናይ ምሕረቱን
ዝጽበ ዘይኮነስ ዝቆጻጸሮ’ውን ክኸውን ይግባእ። ብህዝባዊ ሃገራዊ ቅዋምን ብደሞክራስያዊ ኣገባብን ኣብ ዝመሓደራ
ሃገራት ዝቐውም ሰራዊት ህዝባዊ’ዩ። ተልእኾኡ’ውን ህዝባዊ ‘ምበር ውልቀ ሰባውን ጉጅላውን ረብሓ ምሕላው
ኣይኮነን። ኣብ ኤርትራ ዘሎ ኩነታት ግን ኣንጻር ናይ’ዚ ቅኑዕን ቅቡልን ህዝባዊ ተልእኾ ዘለዎ ሰራዊት’ዩ፡፡ ብእኩባት
ሰብ ብረት ዝግለጽ ስማዊ ሰራዊት’ዩ ዘሎ። ናታትኩም ኣቃውማ ህዝባዊ ሃገራዊ ቅዋም መበገሲ ዝገበረ ኣይኮነን።
ተግባርኩም ‘ውን ጸረ-ህዝቢ ‘ምበር ህዝባዊ ኣይኮነን።
እስከ ብሓቂ ብኽፉት ልቢ ንዘራረብ፡ ከምኡ ምዃንኩም ይስቆረኩም’ዶ? ብውሽጥኹም የቐንዝወኩም’ዶ ምስ
እትብሎም፡ ዓምን ቅድሚኡ ኣብ ዝነበረ ግዜን ዝወሃብ ዝነበረ መልሲ መን ናይ’ዚ ፈላጢ ጌይሩ’ኳ ዝብል ታህዲድን
በትርን’ዩ ነይሩ። ድሕሪ 20 ሰነ 2018 ጉልባብ፡ ጸረ-ህዝቢ፣ ጸረ-ደሞክራሲ፣ ጸረ-ሰላምን ልምዓት ስማዊ መንግስቲ
ህግደፍ ካብ ዝትርባዕ ንነጀው ዘሎ መልሲ ግን ብዓይነቱ ፍልይ ዝበለ ኮይኑ፡ ግን ከኣ ኣዝዩ ዝወደቐን ዘሰክፍን’ዩ።
“እንታይ’ሞ ክንገብር” ዝብል። መህረሚ በትሪ ሒዝካ እንታይ’ሞ ክንገብር ማለት ግን መልሲ ኣይኮነን። ብመንጽር’ዚ
ኣገንዝቦ’ዚ፡ እዚ ከም’ዚ ዝበለ ገዛእ ርእሱ ሓራ ዘይወጽአ ሞራላውን ፖለቲካውን ኒሑ ዝጸንቀቐ፡ ደኒኑ እንታይ’ሞ
ክንገብር ኢሉ ዝቑዝም ዕጡቕ ክፍልታት፡ ሓይልታት ምክልኻል ሃገር ዘይኮነ፡ ናይ ውልቀ ሰብ ናይ ዓፈናን
ጭፍጨፋን መሳርሒ ኮይኑ የገልግል ምህላው’ዩ ዘመልክት። ሎሚ ኣብዘሓ ካብ ህዝብታት ኤርትራ ስማዊ መንግስታዊ
ጉጅለን መን መን ምዃኑ ተፋሊጦም’ዮም። ከብድን ሕቖን ኮይኖም’ዮም። ኣጉል ተስፋ፡ ምጽማምን ፍርሕን ወጊድ
ዝተባህለሉ ወቕቲ’ዩ። ብንቕሓት ድዩ ብኣጋጣሚ ኣብ ማይ ቤት ህግደፍ ደርባዊ ምንጽጻል ዝንጸባረቘሉ፡ ካብ
ማእከሎት መኮነናት ንታሕቲ ዘለው ዕጡቓትን ኣመሓደርትን ናብ ህዝቢ ዝጽግዕሉ፡ ንህዝባዊ ሕቶ ምምላስ ስኢኖም
ሓቅኹም ግን እንታይ’ሞ ክንገብር ኢሎም ብሰላሕታ ዝቑዝምሉ፡ ላዕለዎት መኮነናት፡ ኣመሓደርቲ፡ ሚኒስተራት
ካልኦት ናብኦም ዝለገቡ ሰብ ፍሉይ ረብሓን ድማ፡ ክሳብ ፍጹም ውድቀት ረብሓን ምስ መራሒና ዝብልሉ ዘለው
ንቃልስን ለውጥን ምቹእ ዝኾነ ወድዓዊ ኩነታት’ዩ።
ብሓልዮት ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ ዝፍኖ ድምጺ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ፡ 22-07-2019