ዓወት ብግብሪ እንበር
ካብ ሕልሚ ዶ ይንበር
ነጻ ክትከውን ሃገር
ደቀባት ንባራበር;;
ጭራ ነብሪ
እንተሒዝካ ኣይትስደድ
ህግደፍ ምስ ዝስጎድ
ሹዑዩ ክወርድ ዝግደድ;;
ንጭፍራ ደም ዘብሎም
ንህግደፍ ሐሕ ክንብሎም
ኤእምንና ክንድርቢየሎም;;
ኤርትራ ንኤርትራዊያን ዘምሩ
ዕምሪ ህግደፋዊያን ክተሕጽሩ
ስለያ ጠለበጊዕን ሰብን ዝኸትሩ
ድቃስ ዝይብሎም ክሐድሩ;;
ህግደፍ ከለዉ ኣራዊት
ከመይ ገርና ክንበል ዕሰዊት
ተፈሪድና ብጥምየት ክንመውት;;
ስለያ ህግደፍ ፈራዶ
ተልእኽኦም ቅተሎ ጉመዶ
ዓዲ ኣያ ሲኢና ተሪፋ ባዶ;;
እግሪ እግሮም ዝቑሽምዶም
ዶ ሲኢኖም
ካብ ቤተክርስትን ካህናት ጨውዮም
መስጊድና ኣትዮም ሸኻትና ኣሲሮም
ንክርዳዶም ንጻህያዮም ንመምዮም;;
ንሕና ኮና ሰባ
ፍረ ኣልቦ ዘረባ
ኤርትራ ጉድ ረኺባ
;;;;;;ህዝባ;;;;;;
ከም ማል ናብ ዛሬባ;;
ስለያ ህግደፍ የግድፉ
ጥሪትን ህዝቢን ይገፉ
ትንፋስ ኑጹሃት የሕልፉ;;
መቐለ ዶ ትጽብቕ ኣስመራ
ንዝብል ድራማ
ንናይ ኤርትራ ርእሲ ከተማ
እወ ጭፍራ ህግደፍ ጠሚሞማ
ጥልያን ኣስመራ ፒኮሎ ሮማ
ኢሎም ሃኒጾማ
ህግደፍ ሰብ ደማ
ድሕሪ ናይ ትግራይ ርእሲ ከተማ
መቐለ ሰሪዖማ;;
ንኤርትራ ፈተውታ
ተመሲሎም ጸላእታ
በቲኖሞም ንደቀባታ
ኣደ ጀጋኑ ማንታ ማንታ
ትነብዕ ላኣ ብጭፍራ ተዘሚታ;;
ወሲኑ ዘዋሃህዶ ሲኢኑ ቃልስና
ዘረባ ጥራይ ኮይኖም ካድራትና
መፍተት ህግደፍ ኮይና ተሪፋ ሃገርና
ተቓወምቲ ሽሞም ነጋዶ
ኣብ ፓል ተዘርጊሖም ጋዶ
ኣይትሐዙና ኣይበዝሔን ዶ;;
መልሐስ ዓጽሚ የብላን ግን
ከም ምንሽር;ዓጽሚ ትሰብር
ብዘረባ ሐራ ኣይወጸትን ሃገር
ኣብ ነበረ ያ ነበረ ኣይንንብር
ዳግማ ከይንውረር; ከይንድፈር
ዝሐለስ ሐሊፉ ናትና ንግበር;;
ዓወት ነቲ ደም ዝነብዕ ዘሎ ህዝቢ ኤርትራ;ክብርን ሞጎስን ንጀጋኑ ሰማእታትና፣ስዕረት ንጃንዳ ህግደፍን ዓንገልቶምን፣ ካብ ዉሽጡ ሑሩር ኣባል ተሐኤ በርሀ ዑቅባዝጊ ሃገር ጀርመን።