ኤርትራ: ዝተአስሩ ጋዜጠኛታት ክሳብ ሕጂ ተዳጒኖም ይርከቡ

ገጣሚትን ጋዜጠኛን ይርጋአለም ፈሰሃ

ዋሽንግተን — ገጣሚትን ጋዜጠኛን ይርጋአለም ፈሰሃ ንንቡር መስርሕ ህይወታ ዝቐየረት መዓልቲ ፈጺማ አይትስዓን እያ። ለካቲት 19, 2009 - ኣብ ኣስመራ ዝርከብ ሬድዮ ባና ምዱብ ስርሓ ተካይድ ከምዝነበረት፡ሰዓት 4 ድሕሪ ቐትሪ ምስ ኾነ ላዕለዎት ሓለፍቲ’ቲ መደበር ሬድዮ ሃንደበት ኣኼባ ከምዝጸውዑ፡ ቀጺሎም ወታሃደራዊ ዩኒፎርም ዝተኸደኑ ወታሃደራት ነቲ ቀጽሪ ከቢቦም ልዕሊ 30 ጋዜጠኛታት ምእሳሮም ይርገኣለም ንድሕሪት ተመሊሳ ትዝክር። ንይርጋኣለም ድማ ናብ ካብ ኣስመራ ውጽእ ኢሉ ዝርከብ ዓዲ ኣበይቶ ዝተባህለ ቤት ማእሰርቲ ተወስደት።