“ኣምባሳደር ሃና፣ ኣብ ኣስመራ ትእዛዝ ፕረዚደንት ትጽበ ኣላ”

ኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ ፈረንሳ፣ ሃና ስምኦን ደሃያ ጠፊኡ

ናብ ኣስመራ ክትምለስ ብፕረዚደንት ኢሳይያስ ድሕሪ ዝተዋህባ ትእዛዝ ደሃያ ጠፊኡ ዝቐነየ ኣምባሳደር መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ፈረንሳ፣ ሃና ስምኦን፣ ጉዳያ ውሳኔ ክሳብ ዝወሃቦ ኣብ ኣስመራ ከምዘላ ዲፕሎማስያውን ምንጭታት ሓቢሮም።

እታ ኣምባሳደር፣ ናብ ዝነበረቶ ቦታ ክትምለስ ድያ ወይ ክትድስክ ወይ ድማ ካልእ ጽፍሒ ክወሃባ፣ ኣብ ኣስመራ ውሳኔ ፕረዚደንት’ያ ትጽበያ ዘላ ዝበሉ እቶም ምንጭታት፣ ካብ ፓሪስ፣ ድሕሪ ምፍናዋ፣ ምስ ወዳ ኣብ ቤልጁም ከምዝቐነየት ኣመልኪቶም።