ኣብ ኤርትራ ተፈጢሩ ዘሎ ፖለቲካዊ ጭቆና ዝጠንቁ ከቢድ ስነ-ኣእምሮኣዊ ቅልውላው ንምውጋድ ቅኑዕ ፖለቲካዊ ኣረኣእያን ተባዕ ውሳኔን

ኣብ ኤርትራ ሎሚ ብዓይኑ ሪእዩ ንዝረኣዮ እወ ሪአ ኢሉ ክዛረብ ዘይኽእል፡ ሓሙቱ ብህግደፋዊ ራዕዲ ዝፈሰሰ ኤርትራዊ እንተዘይኮይኑ፡ ተፈጢሩ ዘሎ ፖለቲካዊ፣ ቁጠባዊ፣ ማሕበራዊ፣ ስነ-ኣእምሮኣዊ ቅልውላው፡ ንኤርትራውያን ጥራሕ ዘይኮነ፡ ንፖለቲካ ኤርትራ ብቐረባ ንዝከታተል ግዳማዊ ተዓዛቢ ብሩህ ከም ጸሓይ ቀትሪ’ዩ። ህዝብታት ኤርትራ ብዘይ ዝኾነ ምጽብባቕ ዘረባን ምግናን ኣብ ከቢድ ቅልውላው’ዮም ዝርከቡ ዘለው።