መግለጺ መበል 58 ዓመት ባሕቲ መስከረም

ሰልፊ ናህዳ ኤርትራ ንመላእ ህዝብታት ኤርትራ እንዃዕ ነዚ ዓብይ ሃገራዊ ዝኽሪ ዝሓዘለን ጩራ ነጻነት ዘቐልቀልቀለን መበል 58 ዓመት ባሕቲ መስከረም ኣብጻሓና ድሕሪ ምባል ፡ ህዝቢ ኤርትራ ንዘመናት ዝኣኽል ኣደራዕን ሕሰምን ተበራረይቲ ባዕዳዊ መግዛእትታት ኣብ እንግድዑ ክሕንገጥ ዝተበየነሉ ህዝቢ’ዩ።