ርሑስ ዒድ ኣል ኣልፈጥር ይግበረልና

ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ ብምኽንያት ዒድ ኣል-ፈጥር፣ ንህዝቢ ኤርትራን ንኹሎም ሰዓብቲ ሃይማኖት እስልምና ኣብ ዓለምን፣ እንቋዕ ናብኡ ኣብጻሕኩም ብምባል፣ ርሑስ ዒድ ክገብረልና ልባዊ ምንዮትና ክንገልጽ ደስ ይብለና። ዝመጽእ በዓላትና ከኣ፣ ምልካዊ ስርዓት ብምልጋስ፣ ምልካዊ ምሕደርኡ ዘስዓቦ ኩሉ መከራትን ሕሰምን ተናጊፉ፣ ስላምን ራህዋን ኣብ መላእ ሃገርና ኣብ ዝሰፈነሉ ኩነታት፣ ህዝብና ከብዕሎ ተስፋና ወሰን የብሉን።