ኣብ ሎንዶን ኣብዝተኸብረ መበል 28 ዓመት በዓል ናጽነት ብኣሰፋው በርሀ ዝቐረበ መግለጺ

ብመጀመርያ ኣብዚ ክቡር መዓልቲ’ዚ ኣብ ቅድሚ ደቂ ሃገረይ ጠጠው ኢለ ቃል ክስምዕ ዝዓደምኩምኒ ምስጋና አቕርብ። ኮሚቴ ሓድነት ኤርትራውያን ንፍትሒ ዕዙዝ ሃገራዉን ህዝባውን ሓላፍነት ተሰኪምኩም፡ ካብ እትምስረቱ ጀሚርኩም ከይተሓለልኩም ብዝተቓለኩሞ፡ ነዚ ዝመስል ሰፊሕ በዓል ከተዳልዉ ምኽኣልኩም ንኹላትና ዘሐብን ኢዩሞ እንቁዋዕ ደስ በለኩም።