ህግደፍ ብባህሪኡ መኺርካ ዝእረም ኣይኮነን

ኣብ’ዚ መድረኽ’ዚ መንግስቲ እንግሊዝ ካብ ሕብረት ኤውሮጳ ክወጽእ ላዕሊ ታሕቲ ክብል ብእዝንና ንሰምዖ ኣለና። ብሕልፊ’ቲ ንሰሜን ኣየር ላንድ ዝምልከት ዘተ፡ ንህዝቢ ሰሜን ኣየር ላንድ ነጺልካ ይካየድ ብምህላው፡ ናይ’ዚ ህዝቢ ሻቕሎት ጥራሕ ዘይኮነ ቁጠዐኡ’ውን እናወሰኸዩ ዝመጽእ ዘሎ። ኣብ ገለ ውዑላት ከይብጻሕ’ውን ህዝቢ ሰሜን ኣየር ላንድ ሓያል ስግኣት ኣለዎ።