መግለጺ ሓዘን ብምኽንያት መስዋእቲ ሓርበኛ ኣቶ ግርማይ ኪዳነ (ወዲ ፍሊፖ)

መስዋእቲ ክቡር ኣቦናን ኣያናን ሓርበኛ ኣቶ ግርማይ ኪዳነ (ወዲ ፍሊፖ) ዝተሰመዓና መሪር ሓዘን ብስም መዓልቲ ጀበርቲ ክንገልጽ ንፈቱ። ምፍላይ ናይቲ ኣብ ልብና ፍሉይን ዕዙዝን ቦታ ዘለዎ ሓርበኛ ግርማይ ኪዳነ (ወዲ ፍሊፖ) ኣብ ቃልስን ታርኽን ኤርትራ ዓቢ ክፍተት ዝገድፍ እዩ።