ኤርትራውያን ናይ’ዚ ሎሚ ንርከበሉ ፖለቲካዊ ውድቀት ቀዳምነት ተሓተቲ ባዕልና ኢና።

ዝኾነ ሰብኣዊ ፍጡር ኣብ ልዕሊኡ ዓመጽ ክፍጸም፡ ሰብኣዊ ክብሩ ክዋረድ፡ ኣብ ትሕቲ መግዛእቲ ክነብር ኣይፈቅድን። ቃልሲ ኤርትራውያን ንሃገራዊ ነጻነትን ክብረት መሰረታዊ ሓርነታዊ ደሞክራስያዊ መሰልን ከኣ ቀረባ ኣብነት’ዩ።