ደስበለ መሓሪ፡ "ብሕጊ እትምእዘዝ ዴሞክራስያዊት ኤርትራ'የ ክርኢ ዝደሊ"

ደስበለ መሓሪ ኣብ ሚላኖ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ነበር መለስ ዜናዊ ኣብ ጀነራል ዊንጌት ተማሂሩ። ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ ንሰለስተ ዓመት ተማሂሩ። ኣጋጣሚ ኮይኑ ናይ ትምህርቲ ዕድል ስለዝረኸበ ኣብ 1974 ናብ ሃገረ ቤልጂም ኣምሪሑ። እንተኾነ ትምህርቱ ከይወደኣ በቲ ዝነበረ ውዕውዕ ሃገራዊ ስምዒትን ናይ ቃልሲ መንፈስን ተደፋፊኡ ኣባል ሓፋሽ ውድባት ህዝባዊ ግንባር ኮይኑ።