ርኢቶ ኣቶ ስየ ኣብርሃ ጸረ ሓድነት ህዝብን ሃገርን ኤርትራ’ዩ !!

ሓደ ካብ’ቶም ታሪኻውያን መራሕቲ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ዝኾነ ኣቶ ስየ ኣብርሃ፣ ብዛዕባ ቃለ መሕትት ወልቀ መላኺ ኢሳያስ ዝምልከት ዝሃቦ ግብረ መልሲ ቃለ መሕትት ብዙሓት ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያንን ተኸታትሎምዎ ይኹኑ’ዮም። ብርግጽ በበይኑ ትዕዝብቲታትን መርገጻትን ኣንብሮምሉ’ውን ይኹኑ’ዮም።