“ኤርትራ፣ ካብ 800 ሰባት ንላዕሊ ክሕዝ ዘይግብኦ ዓዲ ኣቤቶ ልዕሊ 2500 እሱራት ተጨቓጪቖም ኣለዉ።” ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል

“ኤርትራ፣ ካብ 800 ሰባት ንላዕሊ ክሕዝ ዘይግብኦ ዓዲ ኣቤቶ ልዕሊ 2500 እሱራት ተጨቓጪቖም ኣለዉ።” ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ኣብ ዓዲ ኣቤቶ፣ ማይ ስርዋን ዓላን ኣብ ዝርከብ ኣብያተ ማእሰርቲ፣ እሱራት ብዘይእኹል ማይን ጥዕናዊ ውሕስነትን፣ ብሕማቕ ተታሒዞም ከምዘለዉ ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ሎሚ 21 ግንቦት ኣብ ዝዘርግሖ መግለጺ ኣቃሊዑ።