ርኢቶና ኣብ ህልው ኩነታት ኢትዮጵያ

ኣብ ጎረቤትና ኢትዮጵያ ቀቅድሚ ለውጢ ይኹን፡ ኣብ እዋን ልውጢ ክገርር ዝጸነሐን ዘሎን ህልው ፖለቲካዊ ዓሚቕ ቅልውላው ብኣንክሮ ኪንከታትሎ ጸኒሕናን ኣሎናን። ከምኡ ስለዝኾነ ፖለቲካዊ መስርሕ ኢትዮጵያ ሓደገኛ መፍለዪ መንገዲ ይሒዝ ምህላዉ ብሓፈሻዊ ጥንቁቅ ኣቀራርባ ኪንእምት’ውን ጸኒሕና ኢና።