Wake up!!!!!!! Eritrea is reoccupied by Ethiopians!!!!!! Back to armed struggle........there is no other alternative!

መንግስቲ እስራኤል ስደተኛታት ካብ ሃገሩ ክጥርዝ ኣውጺእዎ ዘሎ መደብ ንኽስርዝ፣ ብሪጣንያ ኢድ ከተእቱ ጻውዒት ቀሪቡ

depor_demoመንግስቲ እስራኤል ኤርትራውያንን ሱዳናውያንን ስደተኛታት ካብ ሃገሩ ክጥርዝ ኣውጺእዎ ዘሎ መደብ ንኽስርዝ፣ ብሪጣንያ ኢድ ከተእቱ ናይ ፊርማታት ምእካብ ጻውዒት ቀሪቡ።

እዚ ብኤርትራውያንን ብሪጣንያውያንን ዝተጸወዐ ፊርማ ናይ ምእካብ መስርሕ እኹል ድምጺ እንተረኺቡ፣ ፓርላማ ብሪጣንያ ክዝትየሉ ከምዝግደድ እዩ ዝግለጽ።

ኣብዚ መንግስቲ እስራኤል ዝበዝሑ ኤርትራውያን ዝኾኑ ስደተኛታት ናይ ምጥራዝ መስርሕ ንምቅዋም ኣብ ሓያሎ ሃገራት ናይ ተቓውሞ ሰልፍታት ዝካየደሉ ዘሎ እዋን፣ ፊርማታት ናይ ምእካብ ጎስጓስ እውን ማዕረ ማዕሪኡ ይካየድ ከምዘሎ’ዩ ዝፍለጥ