Wake up!!!!!!! Eritrea is reoccupied by Ethiopians!!!!!! Back to armed struggle........there is no other alternative!

ኣብ ከሰላ ዝላባዕ ዘሎ ሕማም፣ ንሓያሎ ኤርትራውያን የጥቅዕ ኣሎ

Kassala Hospital

ኣብ ሱዳን፣ ዞባ ከሰላ ዝላባዕ ዘሎ ሕማም ንሓያሎ ኤርትራውያን ግዳያት ይገብር ከምዘሎ ተሓቢሩ። ወከልቲ ሬድዮ ኤረና ኣብቲ ከባቢ ምስ ዝነብሩ ኤርትራውያን ኣብ ዘካየድዎ ዝርርብ፣ እቲ ሕማም ኣብ መላእ እቲ ዞባ ኣስፋሕፊሑ ከምዘሎ ብምርግጋጽ፣ ሓያሎ ካብቶም ግዳያት ኣብቲ ዞባ ዝነበሩ ኤርትራውያን ምዃኖም ገሊጾም።

ኣብቲ ዞባ ዘስፋሕፍህ ዘሎ ሕማም "ቺኩንጉንያ" ንምግታእን ንግዳያት ህጹጽ ረዲኤት ንምብጻሕን፣ መንግስቲ ሱዳን ተበግሶታት ከምዝወሰደ ይግለጽ እኳ እንተሎ፣ ከምቲ ዝድለ ኣኻሊ ከምዘይኮነ ምምሕዳር ዞባ ከሰላ የመልክት።