ኤርትራ፣ ጋዜጠኛታት ብምእሳር፣ ኣብ ትሕተ- ሰሃራ ኣፍሪቃ ቀዳማይ ቦታ ትሕዝ

Journalist in prison

ኤርትራ፣ ጋዜጠኛታት ብምእሳር ኣብ ትሕተ-ሰሃራ ካብ ዝርከባ ሃገራት ኣፍሪቃ፣ ቀዳማይ ቦታ ሒዛ ከምዘላ ኣብ ኒውዮርክ ዝመደበሩ ኮሚተ ምጥባቕ ጋዜጠኛታታት ኣብ ዝዘርግሖ ዓመታዊ ጸብጻብ ኣፍሊጡ። ኣብዛ ዓመት እዚ'ኣ ብድምር 30 ጋዜጠኛታት ኣብ ትሕቲ ሰሃራ ኣብ ዝርከባ ሃገራት ኣፍሪቃ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ከምዝርከቡ ዝሓበረ እቲ ጸብጻብ፣ እቶም 16 ካብዚኣቶም ኣብ ኤርትራ ዝርከቡ ምዃኖም ኣስሚርሉ።

ንኤርትራ ተኸቲላ ዝበዝሑ ጋዜጠኛታት ኣሲራ እትርከብ ኣፍሪቃዊት ሃገር ካሜሩን ኮይኑ፣ ኣብዛ እትዛዘም ዘላ ዓመት ሸውዓታ ጋዜጠኛታት እታ ሃገር ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኣትዮም።

ኣብ ካልኦት ሃገራት ኣፍሪቃ ድማ፣ ኣብ ርዋንዳ ኣርባዕተ፣ ኣብ ደሞክራስያዊት ሪፖብሊክ ኮንጎ ክልተ ኣብ ሶማል ድማ ሓደ ጋዜጠኛታት ኣብ ቀይዲ ውዒሎም።