ሕብረት ኤውሮጳ ደሕንነት ስደተኛታት ኣብ ሊብያ ከውሕስ ኤርትራውያን ሓቲቶም

ኣባ ሙሴ ዘርኣይ

ዝሓለፈ ቐዳም 15 ታሕሳስ 2018፡ ልዕሊ 200 ኤርትራውያን ዲያስፖራ ኣብ ብራስለስ ተራኺቦም። እቶም ኤርትራውያን ንጉዳይ ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት ኣብ ሊብያን፡ ሕብረት ኤውሮጳ ክገብሮ ዝኽእል እማመታትን ብሰፊሑ ዘትዮምሉ። ሕብረት ኤውሮጳ፡ ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት ኣብ ማእኸላት ግዝያዊ መዕቆቢ ስደተኛታት ንዝሳቐዩ ዘለው ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት ክከላኸልን ግቡኡ ክፍጽምን ድማ ጸዊዖም። እዞም ካብ ኤውሮጳ፣ ኣፍሪቃን ሰሜን ኣሜሪካን ዝተኣኻኸቡ ኤርትራውያን፡ ኣብ ሊብያ ተቐርቂሮም ዝርከቡ ስደተኛታት፡ ዝወጽእሉ፣ ደሕንነቶም ዝሕለወሉን ዝጣየስሉን ትኽክለኛ ኣንፈት ክቕመጥ ከም ዘለዎ'ውን ኣመላኺቶም።