ኤርትራ፣ ኣብ ከተማ ኣስመራ ግፋ ይቕጽል

asmera cafe መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ከተማ ኣስመራ ሰፊሕ ግፋ ከካይድ ከምዝቐነየ ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ሓቢሮም። ብፍላይ ኣብ ከባቢ ዕዳጋታት ብብዝሒ ዝርከበሉ ቦታታት ዝቐነየ ግፋ ዕላምኡ ንጹር እኳ እንተዘይኮነ ኣብ ጎደናታት ነኣሽቱ ሸቐጣት ኣብ ልዕሊ ዘካዪዱ ጽዒቑ ምንባሩ ይጥቀስ። በዚ ግፋ ንብረቶም ዝተዘመቱ ካብ ትግራይ ዝመጹ ኢትዮጵያውያን፣ ቀንጠመንጢ ካብ ድኻታት ዝዘምት መንግስቲ ርኢና ብምባል ብዓውታ ከማርሩ ይስምዑ ከምዘለዉ ይግለጽ።